ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ፈረንሳ ዝተላዕለ ተቓውሞ 600 ሰባት ተኣሲሮም፡ 200 ኣባላት ፖሊስ ድማ ጉድኣት በጺሑዎም


ኣብ ፈረንሳ ፖሊስ ንወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ተኲሱ ምቕታሉ ስዒቡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝተላዕለ ሳልሳይ መዓልቱ ኣቑጺሩ ዝርከብ ተቓውሞ ንምግታእ ንዝወፁ ኣባላት ፖሊስ ሰልፈኛታት ኣብ ጎደናታት ፈረንሳ መገድታት ዓፅዮም ርችታት ብምትኳስ ባርዓት ወሊዖም። እዚ ንምህዳእ መንግስቲ ብዘንብዕ ጋዝን ማይን ሰልፈኛታት ንምብታን ብዝገበሮ ፈተነ ዝተፈጠሮ ናዕቢ ልዕሊ 600 ሰባት ተኣሲሮም ብውሑዱ 200 ፖሊስ ምቑሳሎም ኣሶሴይትድ ፕረስ ፀብፂቡ።

ኣብ ከተማ ማርሴል ንዝነበሩ ናዕበኛታት ንምብታን ፖሊስ ኣብ ዝገበሮ ፃዕሪ 40,000 ኣባላቱ ዘውፈረ ኾይኑ 667 ሰባት ምእሳሩ ድማ ሰበ ስልጣን ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት'ታ ሃገር ሓቢሮም።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝበፅሐ ጉድኣት እንተሎ ግን ዝተገልጸ ነገር የለን።

ሚንስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዣራልድ ዳርማኒን ሎሚ ዓርቢ “ዘይተለመደ ናዕቢ” ክብሉ ዝፀውዕዎ ለይታዊ ናዕቢ ኮኒኖሞ።

ፕረዚደንት ኢማኑዌል ማክሮን ግን ነቲ ሃገሮም ኣብ ፖሊሲ ኣብ ምሕንፃፅ ፖሊሲ ኣውሮጳ ዓብዪ ግደ እትፃወተሉ ኣብ ቤላሩስ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ሕብረት ኣውሮጳ ኣቋሪፆም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ሎሚ ዓርቢ ህፁፅ ፀጥታዊ ኣኼባ ፀዊዖም ኣለው። ኣብ ምሉእ ፈረንሳ ወጥሪ ወሲኹ ዝርከብ ኮይኑ ዕንወት ንብረትን ኣባይትን'ውን ይስዕብ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG