ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፤ ካብ ሱዳን ንዝኣትዉ ሓተትቲ ዑቕባ ፍሉይ መዓስከር ኣብ ምድላው ይርከብ


ኢትዮጵያ ነቶም ካብ ሱዳን ሃዲሞም ናብ ግዛኣታ ዝኣትዉ ዘለው ስደተኛታት ብዘላቕነት ዝነብሩሉ መዓስከር ተዳልው ከምዘላ ኣገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኣፍሊጡ። ወሃቢ ቃል እቲ ትካል ኣቶ በኣካል ንጉሰ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ ካብ መንጎ እቶም ክሳብ ሕዚ ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ሰባት 3200 ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ከም ዝርከቡዎም ኣፍሊጦም። እዞም ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት /UNHCR/ ይነብሩ ከምዝነበሩ ዝጠቐሱ ኣቶ በኣካል፡ ሕዚ ድማ ካብ ሱዳን ተመዛቢሎም ናብ ኢትዮጵያ አትዮም ኣለዉ ኢሎም። ካብዚኣቶም እቶም 40 ዝዀኑ ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ኣቶ በኣካል ወሲኾም ሓቢሮም።

ነዞም ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣብ ክልላት ኣምሓራን ቤንሻንጉልን ጊዜያዊ መዕረፊ ከም ዝተሃነፀሎም ዘመልከቱ እቶም ወሃቢ ቃል፡ ንሓዋሩ ብዘላቕነት ዝነብሩሉ መዓስከር ኣብ ከባቢ መተማ ንምጥያስ ናይ ቦታ መፅናዕቲ ከም ዝተገበረ ገሊፆም። እቲ ጎንፂ ካብዝጅመር፣ ካብ ሱዳን ሃዲሞም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ብዝሒ ሰባት 18 ሺሕ ምብፅሑ ቤት ፅሕፈት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNOCHA) ኣፍሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG