ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ሱዳን ብሰንኪ ኲናት ዝሃደሙ ኤርትራዊያን ናብ ኢትዮጵያ ምእታው ከምዝተኸልከሉ ይገልጹ


ካብ ሱዳን ብሰንኪ ኲናት ዝሃደሙ ኤርትራዊያን ናብ ኢትዮጵያ ምእታው ከምዝተኸልከሉ ይገልጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:33 0:00

ካብ ሱዳን ብሰንኪ ኲናት ዝሃደሙ ኤርትራዊያን ናብ ኢትዮጵያ ምእታው ከምዝተኸልከሉ ይገልጹ

ኣብ ሱዳን ቕድሚ ገለ ሰሙናት ዝጀመረ ኲናት ስዒቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሱዳናዊያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ካብ ሱዳን ብፍላይ ድማ ካብ ከተማ ኻርቱም ይወጹ ኣለው። ገለ ሃገራት እውን ዜጋታተን ካብታ ሃገር የውጽኣ ኣለዋ።

ኤርትራዊያን ተቐማጦ ኻርቱም ነበር ካብቲ ኩነታት ብምህዳም ናብ ኢትዮጵያ ንምእታው ኣብ ዝፈተኑንሉ ግን ብክፍሊ ኢምግሬሽን ኢትዮጵያ መንግስትኹም ኣይቕበልን ስለዝበለ ናብታ ሃገር ምእታው ከምዝተኸልኸሉ ይገልጹ ኣለው።

ሓደ ካብዞም ኣብ ከተማ መተማ ኣብ ጎደናታት ወዲቕን ኣለና ክብሉ ስምዕቶም ንድምጺ ኣመሪካ ዘስምዑን ስምኦን ሃብትኣብ ከምኡ'ውን ካብ ኻርቱም ንዕሸል ቆልዓ ክልተ ኣዋርሕ ዝርከቦም ሓሙሽተ ቆልዑ ሒዛ ዘላ ናብቲ ቦታ ዝመጸት ሰላም ትበሃል ካልእ ውልቀሰብ ድማ ኣዘራሪብና ኣለና።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቐረባ መዓልታት ንጉዳይ ሱዳን ብዝምልከት ምስ መሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዶባት ሃገሮም ንዜጋታት ኮነ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ክፉት ምዃኑ ገሊጾም ኔሮም።

ነዚ ብዝምልከት ምላሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ረኸብና ከነቕርቦ ኢና።

XS
SM
MD
LG