ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ዘለዉ ስደተኛታት ሕጂ’ውን ከም ዘይቀሰኑ የመልክቱ


ካብ ሱዳን ሃዲሞም ናብ ኢትዮጵያ መተማ ዝኣተዉ ስደተኛታት
ካብ ሱዳን ሃዲሞም ናብ ኢትዮጵያ መተማ ዝኣተዉ ስደተኛታት

ካብ ሱዳን ሃዲሞም ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ዘለዉ ሰባት ገና ኣብ ትሕቲ ደመና ጭንቀት ከም ዘለዉ ይገልጹ።

ውግእ ሱዳን ካብ ዝውላዕ ልዕሊ 15 ሺሕ ሰባት ብሸነኽ መተማ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገሩ ክኾኑ ከለዉ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 1000 ሰባት ከም ዝኣትዉ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ`ሎ።

ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ዘዘራረቦም ወልቀሰባት ነፍሲወከፎም፡ ኣብ ማእከል ተኹስን ቦምባን ተቐርቂሮም ዘሕለፍዎን ድሕሪኡ ናብ መተማ ክበጽሑ 550 ኪ.ሜ ምጉዓዞምን፡ ኣብ መንጉኡ ብዕጡቓት ዘረፍቲ ይህደኑ ምንባሮምን ይገልጹ።

ሕጂ ብተዛማዲ ኣብ ውሑስ ኩነታት ከም ዘለዉ ዝገለጹ ሱዳናውያን ኢትዮጵያዊያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ስደተኛታት፡ መጽለልን መግብን ረኺቦም ከምዘለዉ እንተኾነ ገለ ስድራቤታት መሰረታዊ ነገራት ከም ዝሓጽረንን ንደቀን ንምምጋብ`ኳ ገንዘብ ከም ዘይብለን ይገልጹ።

ካብ መንጎ`ቶም ስደተኛታት፡ ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ኢትዮጵያውያን ብወገኖም ንዓመታት ዘጥረይዎ ሓዲጎም ካብ ሱዳን ከም ዝሃደሙን፡ ሕጂ እንደገና ኣብ ዓዶም ሓዲሽ ህይወት ክመርሑ ተስፋ ከም ዝገብሩን ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጠቒሶም ኣለዉ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፡ ናብ ጫድ ዝተጓዕዘ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ከም ዝለኣኾ፡ ድሮ ኣስታት 30-ሽሕ ሱዳናውያን ናብ ጫድ ኣትዮም ኣለዉ። ብሕልፊ እኳ ኣብ ዶባት ጫድን ሱዳንን ካልእ ዓሌታዊ ጎንጺ’ውን ብምጽናሑ፡ ነቲ ናይ ምስዳድ መስርሕ የቀላጥፎ ምህላዉ እቲ ዜና የመልክት። ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣስታት 860-ሽሕ ስደተኛታት ናብ ጫድ ክኣትዉ ትጽቢት ስለ ዝገበረ፡ ንዕኡ ዝኸውን መጽለሊን መግቢን ኣብ ምድላው ይርከብ። ናብ ጫድ ዝተሰደዱ ሱዳናውያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራት’ውን ብተመሳሳሊ ብስእነት መሰረታዊ ቀረባት ይሳቐዩ ምህላዎም ናብ ጫድ ዝተጓዕዘ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG