ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ካብ ሱዳን ናብ መተማ ዝኣትዉ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ይውስኽ ምህላው ኣይ.ኦ.ኤም ገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ክሳብ ቅድሚ ትማሊ ሰሉስ ጥራይ ልዕሊ 3,500 ዜጋታት 35 ሃገራት፡ ካብ ግጭት ሱዳን ሃዲሞም ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ዝኾነት ከተማ መተማ ምእታዎም ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት(ኣይ.ኦ.ኤም) ኣፍሊጡ።

ኣብታ ከተማ መተማ ዝበጽሑ ሰባት መብዛሕቲኦም ዜጋታት ቱርኪ ምዃኖም ዝጠቐሰ ወሃቢ ቃል ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኬ ቪራይ፡ እቶም ካልኦት ድማ ዜጋታት ኡጋንዳ:ኢትዮጵያ:ሶማል: ሱዳንን ቻይናን ዝርከብዎም ምዃኖም ጠቒሱ`ሎ።

ኣብቲ መጽንሒ ቦታ ናይ ማይን መግብን ከምኡ`ውን መጸራረዪ ሕጽረት ከምዘሎ ዝሓበረ አይ.ኦ.ኤም፣ ናብ 700 ዝጽግዑ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ዜጋታት ፍሉይ ምትሕግጋዝ ክገብረሎም ካብ ዝተፈላለያ ኤምባሲታት ሕቶታት ከም ዝቐረበሉን ነቲ ዕማም ኣብ ምፍጻም ከም ዝርከብን ኣፍሊጡ`ሎ።

ብዝተሓሓዝ ካልእ ዜና፡ ድሕሪ ሱዳን ዘጋጠማ ጸገም፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ነቲ ምስ ሱዳን ዘሰሓሕብ ዶባት ተቖጻጺሩ ዝብል ብገለ ሚድያታት ዝተመሓላለፈ ወረ፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምዃኑ፡ ሰበ-ስልጣንን ነበርትን `ቲ ከባቢ ገሊጾም ኣለዉ።

ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ኣቶ ቢክስ ወርቄ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “ሰራዊት ምክልኻልና ቅድሚ ግጭት ሱዳን ካብ ዝነበሮ ቦታ ሓንቲ ስድሪ`ኳ ኣይተንቀሳቐሰን" ኢሉ።

XS
SM
MD
LG