ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ነዚ ዝገለጹ ትማሊ ሶሉስ አብ ዝተጋብአ መበል 31 ኣኼባ ቤት-ምኽሪ ሰብአዊ ጉዳያት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኽከውን ኸሎ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘጋጥም ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ስቅያት፡ ሞት፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዓሌትነትን ጽልኣት ወጻእተኛታት ንብዙሓት ሃገራት ብጠቅላላ ንዓለም ፈተና ይኾና ኣሎ ኢሎም።
‘ኤርትራ፡ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ብቀዳምነት ሓላፍነታ ንባህግታት ዜጋታታ ምምላእ ዝብል መርገጺ ብጽኑዕ ከምትአምነሉ ብተመሳሳሊ እዘን ሃገራት ነቲ ጻዕርታተን ንምምላእ ሓድነት ህዝቢ ከምዘድልይ ወይ’ውን ብውሑዱ ሽግራተን ካብ ዘጋድድ ምትእትታው ካልኦት በይነን ክግደፋ አለወን’ኢሎም።
ብተወሳኺ ሚኒስትር ዑስማን ሰላም፡ጸጥታ፡ ምዕባለ፡ ሰብአዊ መሰላት ኣብ ዘየተአማምን ወይ’ውን አብ ኣስጋኢ ኩነታት ይርከብ። እዚ ድማ ንቀጻሊ ልዑል ምግሃስ ዓለም-ለኸ ሕግታት፡ መሰላት ሃገራትን መሰረታዊ ነጻነት ዜጋታት የስዕብ ኢሎም ።
ኤርትራ ንጎረባብታ ኮነ ንዓለም ክፍቲ’ያ። ኣብ ምሉእ እምነትን ሓባራዊ ጥቕምን ንዝተመስረተ ንሓቐኛ ሽርክነት ድማ ብሓጎስ ትቅበል። ኤርትራ ኣብዚ ኣህጉርን ብደረጃ ዓለም ዘለዋ ዝምድና ይዓብይ ኣሎ ኢሎም ኣቶ ዑስማን ሳልሕ።
ኤርትራ ምስ ሰብአዊ ጉዳያት ምትእስሳር ብዘይብሎም ምክንያታት ብዘይርትዓዊ ኣገባብ በዚ ቤት-ምክሪ ጉዳያት ሰብአዊ መሰላት ትርኣይ ኣላ ዝበሉ ኣቶ ዑስማን፡ ደቂ-አንስትዮ ኤርትራ ንነጻነት ዝተቃለሳ ኣብ ዓለም ድማ ውሑዳት መወዳድርቲ ዘለወን’የን፡ ብተወሳኺ ኣብ ሕብረተሰብ ዓቢ ግደ ዘለወን’የን ኢሎም። ካልኦት ሃገራት’ውን ከምዚ ናይ ኤርትራ ኩነታት ዘጋጠመን ኣለዋ። እንተኾነ ግን ካልኦት ደገፍ ሓያላን ሃገራት ዘለወን ሃገራት ድማ ሽሕ’ዃ እቲ ዘለወን መዝገብ ሰብኣዊ መሰላት ሕማቕ እንተኾነ፡ አብዚ ቤት-ምኽሪ ግን ብነጻነት ይሳተፋ`ለዋ ዝበሉ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ፡ እዚ ኣብ ጠቕሚ ፖለቲካ ዝተሞርከዘ ድርብ መዓቀኒ ሰብአዊ መሰላት፡ ንትርጉም’ዚ ቤት ምኽሪ ዘሕፍር ይኸውን ኣሎ ፡ንምሉእነት እዚ ትካልን ንረብሓ ሰብአዊ መሰላትን እዚ ዘሕፍር ተግባር ደው ክብል ኣለዎ ኢሎም።
ናብ ኤርትራ ክበጽሕ ዘይተፈቐደሉ መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ፡ ዘይምክናታዊ ማእሰርቲ፡ አብ ሃገራዊ አገልግሎት ዝካየድ ግዱድ ስራሕ ዘጠቓልል ዝተፈላለዩ ዓመጽ ይፍጸም`ዩ ክብል ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት ኣስፊሩ ምንባሩ ይፍለጥ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።