ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጸብጻብ ኣቦ-መንበር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ኣብ ኤርትራ


‘ብዝሒ ናብ ኣውሮጳ ዝሰግሩ ኤርትራዊያን ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ብ150 ሚእታዊት ከምዝናሃረ’ ጠቂሶም ማይክ ስሚስ።

‘ኤርትራዊያን እቲ ኣብ እዋን ናጽነት ዝተጸበይዎ ዲሞክራሲ ኣይረኸቡን። ኣብ ክንድኡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘይኮነስ ኣብ ትሕቲ ፍርሂ ይነብሩ ኣለው’ ዝበሉ ማይክ ስሚስ ኣብ ኤርትራ ‘ምናልባት ገበን ኣንጻር ሰብኣዊነት ተፈጺሙ ይኸውን’ዩ’ውን’ ኢሎም።

ንመግለጺ ማይክ ስሚስ መልሲ ዝሃቡ ኣብ ሕ/ሃ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ግርማ ኣስመሮም ‘ሪፖርት ኣቦ-መንበር እቲ ኮምሽን ካብ ሪፖርት ፍልይቲ ራፖርተር ዝተፈለየ ኣይኮነ። እቲ ሪፖርት፣ምሉእ ምህዞ፣ ኣልማማን ውጹእ ጌጋ መደምደምታ ዘሓዘ፣ ንቻርተር ሕ/ሃ ዝጣሓሰን ጭብጢ ዘይቀርበሉን፣ ጸግዒ ዝሓዘን’ዩ’ ኢሎም።

ብኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ’ቲ መድረኽ ካብ ዝተጠቀሳ ሃገራት ሓንቲ ኢትዮጵያ’ያ። ወኪል ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ፍስሃ ኣስገዶም ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ‘ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሓደ ወይ ክልተ ዘይኮነስ ኣብ ትሕቲ ሰለስተ እገዳታት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ እያ ትርከብ። ጸገማት ኤርትራ ግዳማዊ ኣይኮኑን። ንውሽጦም ክሪኡን እንታይ እንተገበርና’ዩ ይሓይሽ ኢሎም ንነብሶም ይሕተቱ’ ዝብል መልሲ ሂቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ንምስማዕ ይኸአል።

ጸብጻብ ኣቦ-መንበር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ኣብ ኤርትራ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:44 0:00

XS
SM
MD
LG