ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ ዝበፅሑ ጋዜጠኛታት BBC እንታይ ይብሉ?


ኣብ ዓለም ናይ ወፃኢ መራኸቢ ብዙሃን ብቀዋሚነትን እናተመላለሳን ክፅብፅባ ናፃ ፍቓድ ካብ ዘይህባ ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ኤርትራ ኣብቶም ዝሓለፉ 10 ዓመታት ንመጀሪያ ግዜ ናይ BBC ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ተፈቒዱሎም ኣቲዮም ኣለው።

ኣብ ቀረባ እዋናት ናብ ኤርትራ ኣቲየን ክፅብፅባ ካብ ዝተፈቐደለን ማዕኸናት ዜና ኣግልግሎት ዜና ኣፈረንሳይ AFP፣ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካን ኢራን Press TV ይርከብኦም።

ኣብ 1991 ነፃነታ ዝኣወጀት ኤርትራ ብፍላይ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ዘካየደቶ ዳሕረዋይ ኲናት ካብ ዘብቅዕ ንድሓር ነፃነት መራኸቢ ብዙሃን ኣዚዩ ምውራዱ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ይገልፃ።ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዓለም ብነፃነት ፕረስ ዝተሓተ ደረጃ ሒዛ ትርከብ።

ብኣትሓሕዛ መራኸቢ ብዙሃንን ፖለቲካዊ ተቓውሞን ከምኡ እውን ናይ ውሽጥን ወፃኢን ፖሊሲኣን፣ብፖሊሲ ርእሰ ሙረከሳ ንምልማዕ ትኹረት ብምሃባ ካብ ምዕራባዊያን መንግስታት ኣረሓሒቑዋ እዩ።ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ማዕቐብ ሕቡራት መንግስታት ትርከብ።

BBC ጋዜጠኛታቱ ናብ ኤርትራ ንምልኣኽ ፍቓድ ንምሕታት ኣብ ወፃኢን ውሽጥን ምዝርከቡ ሰበስልጣን ኤርትራ ንኣዋርሕ ዝዘለቐ ዝርርብ ከምዝተኻየደ ጋዜጠኛ BBC የልዳ ሓኪም ትዛረብ።

ሰበስልጣን ኤርትራ ንጋዜጠኛታት ፍቓድ ብምሃብ ኣብዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ተዘዋዊሮም ኤርትራ ብመዳይ ምሊኒየማዊ ሸቶታት ልምዓት መነባብሮ ህዝባ ንምምሕያሽ ዝሓዘቶም ፃዕርታት ብዝምልከት ክፅብፅቡ ፍቓድ ሂቦምዎም።

ናብ ኤርትራ ካብዝተጉዓዙ ጋዜጠኛታት BBC ሓደ ዝኾነ ሳም ፒራንቲ ናብ ከተማ ኣስመራ ክኣቲ ከሎ ብፅባቐ እታ ከተማ ኣዚዩ ከምዝተመሰጠ ይገፅል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:08:00 0:00

XS
SM
MD
LG