ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ንደርቂ ዝምልከት ቢቢሲ ዘቕረቦ ጸብጻብ ዝተጋነነ`ዩ ኢልዎ


BBC
BBC

ማዕኸን ዜና እንግሊዝ ቢቢሲ፣ ቆቦ ወሎ ኣብ ዝተባሃለ ከባቢ ኢትዮጵያ፣ ዝወረደ ደረጃ ደርቂ ኣዝዩ ዝበርተዐ ምኻኑ ሓቢሩ።ኣብ ለንደን ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ጸብጻብ ቢቢሲ ዝተጋነነ’ዩ ይብሎ።

እቲ ሪፖርት ቢቢሲ ኣብ ‘ቀዩ ጋራ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢ ቆቦ ብሰንኪ ዝወረደ ደርቂ ሞይቱ ዝበሎ 5 ዓመት ዝዕድሚኡ ህጻን ዓብዱ መሓመድ ሬሳ የርኢ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ቆቦ፣እቲ ደርቂ ዝበኣሰ ጸገም ከስዕበልና’ዩ በሃልቲ’ዮም።

ብካልእ ወገን ትማሊ ህጹጽ መግለጺ ዘውጸአ ኣብ ለንደን ኤምባሲ ኢትዮጵያ፣ ኣል-ኒኖ ንኢትዮጵያ ወሲኹ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበላ ሃገራት ጸገም ከምዝፈጠረን፣መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ቅልውላው ንምግጣም ኣቅድም ኣቢሉ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣንፈታት ከምዝነጸረ ጠቂሱ።

ግዳያት ደርቂ መግቢ ክረኽቡ ተወሰኽቲ መኽዘናት ከምዝደኮነ፣ ኣድላዪ ሎጂስቲካዊ ምትዕርራያት ከምዝተገበረ’ውን እቲ ኤምባሲ ሓቢሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ አብዚ ይኸአል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጸብጻብ ቢቢሲ ነጺግዎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:20 0:00

XS
SM
MD
LG