ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

BBC ን Bob Geldof ይቕረታ ብምሕታት ፡ ሕወሓት ንገለ ካብ ረድኤት-ዓለም ኣብ ሸመታ ኣጽዋር ምውዓሉ ግን ይምስክር


ናይ BBC ወኪል ሎሚ ንቪኦኤ ኣብ ዘንበቦ መግለጺ፡ እቲ ዘሕለፎ ሪፖርት ብፍላይ ምስ ባንድ ኤይድ ክትሓሓዝ ከምዘይነበሮ ድሕሪ ምግላጽ፡ “ሕወሓት ንረድኤት ጥምየት ተባሂሉ ንዝተኣከበ ገንዘብ፡ ንኻልእ ከምዘውዓሎን፡ ካብ መንጉኡ`ውን ንዝተወሰነ ንመዐደጊ ኣጽዋር ኸምዘውዓሎ ዘረጋግጹ ብርክት ዝበሉ መረዳእታታት ኣለዉ” ይብል።

ኣብቲ ናይ 77 ደርቂ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሕወሓት ዝነበሩ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ፡ ረድኤት ንመጠናኸሪ ሕወሓት`ዩ ዝውዕል ኔሩ ድሕሪ ምባል፡ ናይ ቢቢሲ ይቕረታ ግን ኣገሪሙለይ`ዩ ይብሉ። “50 ሚእታዊ ንመጠናኸሪ ማለሊት፡ 45 ሚእታዊ ንመካየዲ ስራሕ ሕወሓት፡ 5% ድማ ብደርቂ ንዝተጎድኡ ተባሂሉ ተሸንሺኑ”.

ሎሚ ዘለዉ መራሕቲ ሕወሓት፡ ኣብ ደርቂ 77 ብማሕበረሰብ ዓለም ዝተለገሰ ግዙፍ ረድኤት፡ ህይወት ብዙሓት ኣሸሓት ንምድሓን ኢና ተጠቒምናሉ ይብሉ።

ኣብ`ቲ ዝነበረ መሸጣ-ረድኤት ናይ ዓይኒ ምስክር`የ ዝበሉ ኣቶ ኣማረ ጸጋይ ዝተባህሉ ሰብ ካብ ቦስተን ደዊሎም፡ ኣቶ ገረመድህን ኣርኣያ ዝሃብዎ ምስክርነት ቅኑዕ ምዃኑ ናይ ዓይኒ ምስክር`የ ኢሎም።

ንምሉእ ትሕዝቶ`ዚ ፕሮግራም ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ

XS
SM
MD
LG