ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ኢትዮጵያ ብሕቡእ ከምዝኣተዉ ዝገልጹ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ፡ መንግስቲ ንረድኤት ወጻኢ ከም መሳርሒ ጭቆና ይጥቀመሉ ኣሎ ኢሎም


መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ክስታት ሓሶት ክብል መሊሱሉ`ሎ

ዝሓለፈ ነሓሰ 5 2011፡ ናይ BBC News Night ፕሮግራም ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ተለቪዥን ሪፖርት፡ እቶም ጋዜጠኛታት ከም ቱሪስት ተመሲሎም ናብ`ታ ሃገር ከምዝኣተውን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ደቡባዊ ክፋላት`ታ ሃገርን ተንቀሳቒሶም ሓረስቶትን ገባራትን ከምዘዘራረቡን ገሊጾም።

ኣብ`ቲ ዝሓለፈ ምርጫ፡ ንገዛኢ ፓርቲ ብዘይምምራጾም፡ መንግስቲ ዘርኢ እኽልን ድኹዕን ብምኽልካል ከምዝተበቀሎም ገሊጾምልና ይብሉ እቶም ጋዜጠኛታት ቢቢሲ። “ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተናውሐ ልምዓታዊ ሬድኤት ጌርካ ንህዝቢ ጅሆ ንምሓዝ ዝግበር ኣካይዳ`ሎ”።

ኣብ ሎንዶን ዝርከብ ኢምባሲ ኢትዮጵያ፡ ሚዛናውነት ዝጎደሎ ፡ ካብ ክስታት ግንባር ሓርነት ኦጋደንን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ዘይፍለ ክብል ነቲ ክሲ ነጺግዎ`ሎ።

ምስ ጋዜጠኛ ቢቢሲ Angus Stickler ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG