ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መዓስከር ሕቡራት ሃገራት ደቡብ ሱዳን ብዘጋጠመ ናይ ተኩሲ ልውውጥ 18 ሰባት ሞይቶም


ካርታ ደቡብ ሱዳን
ካርታ ደቡብ ሱዳን

ዶብ ኣልቦ ሓካይም /MSF/ ዝተባሃለ ዓለምለኸ ጉጅለ ረድኤት ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላማዊያን ሰባት ኣብ ዝተዓቖብሉ መዓስከር ሕቡራት መንግስታት ብዝተኻየደ ናይ ተኹሲ ልውውጥ ክልተ ደቡብ ሱዳናዊያን ሰራሕተኛታት ሕቡራት መንግስቲ ሓዊሱ እንተወሓደ 18 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል እቲ ጉጅለ ማርቀስ ማክማን ሰራሕተኛታት ጥዕና ኣብቲ መጥቓዕቲ ንዝቖሰሉ ኣስታት 73 ሰባት ሎሚ ለይቲ ከምዝሓከሙዎም ገሊጾም።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት መንግስታት ባን ኪ-ሙን ነቲ መጥቓዕቲ ብምኩናን ኩሎም ወገናት ዓሌታዊ ወጥሪ ምጉህሃር ከወግዱ ጸዊዖም።

XS
SM
MD
LG