እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2011 ዓ.ም.ፈ ኣብ እዋን ነጻነት ደቡብ ሱዳን ዝነበረ መብጽዓ ብሩህ መጻኢ’ታ ሃገር ብናይ ክልተ ዓመት ኩናት ሓድ-ሕድ ጸልሚቱ’ዩ። ብሰንኪ’ዚ 1.5 ሚሊዮን ሰባት ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቂሎም ካልኦት 750,000 ድማ ናብ ጎረቤት ሃገራት ክስደዱ ተገዲዶም’ዮም።
ብመሰረት ጸብጻብ ሕ/ሃ 2.8 ሚሊዮን ደቡብ ሱዳናዊያን ማለት 25 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ’ታ ሃገር ንጥምየት ከምዝተቃለዓን ሓገዝ ከምዝደልይን ይገልጽ። እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ 40,000 ካብዚ ንጥምየት ዝተቓልዓ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ኣብ ቀጻሊ ግጭት ዝካየደሉ ናይ ሓባር ቦታ ዝነብር ክኸውን ከሎ እቲ ዝተረፈ ድማ ሓገዝ ክረክብ ዘጸገም ቦታ ይነብሩ ይብል።
ወሃቢት ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ቤቲና ሉስቸር ንቪኦኤ ኣብ ዝሃበኦ ቃል ብፍላይ ህጻናት’ታ ሃገር ኣብ ተአፋፊ ኩነታት ከምዘለዉ ሓቢረን። ኣብ መጀመርያ 1,000 መዓልታት ናይ ዕድሜኦም እቲ ዝግባእ እኹል መግቢ ዘይረኽቡ ህጻናት ኣብ ህይወቶም ናይ ነዊሕ እዋን ሳዕቤን ከስዕብ ከምዝክእል እቶም ብሕጽረት መግቢ ዘይሞቱ ድማ ኣካላዊን ስነ-ኣእምሮኣዊን ኣካለ-ጉድኣት ከስዕብ ከምዝኽእል’ውን ይሕብራ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።