ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቐናቐንቲ ፓርትታት ደቡብ ሱዳን አባላት ንምምቕቓል ስልጣን ተሰማሚዖም


ደቡብ ሱዳናዊያን ፖለቲከኛታት ሎሚ ሓሙስ ንትግባረ መርሃ ግብሪ መሰጋገሪ እዋን ዝሕግዝ ሰነድ ከቲሞም።

ኣባላት ደባይ ተዋጋእቲ ነበርን ምስ ምክትል ፕረዚደንት ዝነበሩ ሪክ መቻር ዝወገኑ እሙናት ደገፍቶምን፣ ነቲ ሎሚ ዝተበጸሐ ውዕል ምምቕቓል ስልጣን ምስ መንግስቲ ንኢዶም ኣለው።

እቲ ሎሚ ኣብ ጁባ ዝተኸትመ ውዕል፣ ኣብ እዋን ስግግር 30 ሚኒስትራት ንክምዘዙ፣ መንግስቲ ንሚኒስትር መከላኸሊ፣ ሓበሬታ፣ሃገራዊ ድሕነትን ፍትሒን ሓዊሱ 16 ሚኒስትራት፣ ተቃወምቲ ንሚኒስትራት ጉዳያት ውሽጢ ሃገር፣ ነዳዲ፣ ላዕለዋይ ትምህርቲ፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ሓዊሱ 10 ሚኒስትራት፣ ዝተረፉ መዝነት ኸኣ ንካልኦት ወገናት ተከፋፊሉ’ሎ።

ክፍሊ ርክብ ዝምድናታት ወጻኢ ተቃወምቲ ኢዝቂኤል ሎል፣ ንኩሉ ዝሓተትናዮ ኣይረኸብናን ግን ዕጉባት ኢና ይብል። ንሱ ብተወሳኺ‘በቲ ዝረኸብናዮ ዕጉባት ኢና ክብል ኣይክእልን። እንተኾነ ዘይዓገብናሉ እውን እንተኾነ፣ ፈሪምና ዝተቀበልናዮ ስለዝኾነ ክንትግብሮ ኢና። በቶም ዝመረጽናዮም ሚኒስትራት’ውን ሕጉሳት ኢና። ሚኒስትሪ ጉዳያት ውሽጢ ሃገር፣ ነዳዲ፣ ላዕለዋይ ትምህርቲ፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን፣ ኤኔርጂን ግድባትን፣ ትምህርቲን ቴክኖሎጂ ማይን ረኺብና ኣለና’ ኢሉ።

መዝነት ሚኒስትር ወጻኢን መጓዓዝያን ምስ ክልቲኦም ዘይወገኑን ኣብ ሓደ እዋን ተኣሲሮም ዝነበሩን ፖለቲካዊያን ተዋሂቡ’ሎ። እዚ ድማ ሃገራዊ ዕርቂ ንክወርድ ሓጋዚ’ዩ ይብል ዝረኸብናዮ ዜና።

ካብ’ቶም ተላዘብቲ ሓደ ዝኾነ ሚስተር ጋቱዝ ‘እቲ ውዕል ኣዝዩ ኣገዳሲን ኩሎም ወገናት ዝሳዓሩሉን’ዩ ኢሉ ይገልጾ። ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ስለ ሰላም ኢሎም ብዓቕሊ ስለዝተጸበዩ ድማ ኣመስጊኑ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ተቐናቐንቲ ፓርትታት ደቡብ ሱዳን አባላት ካቢነ ንምክፋል ተሰማሚዖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:57 0:00

XS
SM
MD
LG