ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምምሕዳራዊ ቅርጺ ደቡብ ሱዳን ተቐይሩ


ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሚስተር ሳልቫ ኪር፣ ንነባር 10 ክፍለ-ግዝኣታት’ታ ሃገር ኣፍሪሶም፣ ብ28 ክፍለ-ሃገራት ተኪኦምዎ። ነቀፍቲ ግና፣ እዚ ስጉምቲ’ዚ ነቲ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመታት ውግእ ዝሓለፈ ነሓሰ ዝተኸትመ ውዕል ሰላም ዝጥሕስ’ዩ ይብሉ።

ሚስተር ኪር ትማሊ ሓሙስ ምሸት’ዮም ነቲ ኣዋጅ ኣውጺኦም። ኣመሓደርቲ ኩለን 28 ክፍለ-ሃገራት’ውን መዚዞም ኣለው። ዓሰርተ ነባራት ሹመኛታት ካብ መንጎ’ቶም ሓደስቲ ኣማሓደርቲ’ዮም።

መሪሕነት ደምበ ተቃውሞ ግና ክሳብ’ዚ ሰዓት’ዚ ርእይቶ ኣይሃበን ዘሎ።

ዝሓለፈ ሰሉስ፣ ወከልቲ መንግስቲን ተቃወምቲን፣ ኣብ ጁባ ተራኺቦም ብዛዕባ ምቋም መሰጋገሪ መንግስቲ ምዝርራቦም ይዝከር።

ኣብዚ ጉዳይ መግለጺ ዘውጸአት ኣሜሪካ፣ ክልቲኦም ወገናት ናብ’ቲ ልዝብ ምምላሶም ከምዘሐጎሳን ከበድቲን ኣገደስቲን ውሳነታት ምግባር ይጽበዮም ከምዘሎ ኣዘኻኺራ።

ክልቲኦም ወገናት ንትግባረ ውዕል ሰላም፣ ብመንፈስ ሓድነትን ንክሰርሑ ኣሜሪካ ብተወሳኺ ጸዊዓ’ላ።

XS
SM
MD
LG