ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ፡ ብዩኒቨርስቲ ኮሎምቢያ ጀሚሩ ጸኒሑ ናብ ሓያሎ ትካላት ላዕለዎት ትምህርቲ ዝለሓመ ኣድማ ተመሃሮ ኣመሪካ፡ ዩኒቨርስታት ምስ እስራኤል ዘለወ ርክብ ክበትካን ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዝግበር መጥቃዕታት ደው ክብልን ዝጽውዕ’ዩ። እዚ ድሒሩ ናብ ኤውሮጳ’ውን ብምስጋር ኣብ ልዕሊ 90 ዩኒቨርስታትን ኮሌጃትን ዛጊት ዝተራእየ ንፍልስጤማውያን ዝሕለቕ ተቓውሞታት፡ ነቲ ዘበገሶ ዕላማታት ኣይውቃዕ ደኣ’ምበር ንሓያሎ ዩኒቨርስታት ግን ምንቕናቕ ፈጢሩለን ኣሎ።
ኣብ ገሊኡ ብኣካል ዝወሃብ ክፍልታት ክስርዝ እንከሎ፡ ኣብ ሓያሎ ድማ ድሕሪ ማእሰርቲ ተመሃሮን ጎንጺ ምስ ሓለውቲ ጸጥታን ንጽንብል መመረቕታት ብዙሓት ዩኒቨርሲቲ’ውን ብብደረጃኡ ጸልዩ’ዩ።
ክበጽሖ ንዝኽእል ደረጃን ታሪኻዊ ምትእስሳር ምስ ኣድማ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣመሪካን ብዝተሓሓዝ ተወሳኺ መብርሂ ንምሃብ እምበኣር ንዶክተር ሳልሕ ዑመር ኑር ኣዘራሪብናዮ ኣሎና። ኣብ ዩኒቨርስቲ ቺካጎ መምህር ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ዝኾነ ዶክተር ሳልሕ፡ ስለምንታይ እዚ ኣድማ ኣብ ኮሎምቢያ ጀሚሩ ተሓቲቱ እታ ዩኒቨርስቲ ካብ እዋን ኲናት ቬትናም ጀሚራ ኣንጻር ኲናትን ዓመጽን ናይ ምቅዋም ባህሊ ከም ዘለዋ ይዛረብ። ዩኒቨርስቲ ኮሎምቢያ እትኾርዓሉን ኣብ ክፍልታት እትምህረሉን ብምዃኑ ድማ ተመሃሮ ኣድማ ንኸልዕሉ ድርኺት ከም ዝገበረ ይኣምን።
እቲ ካልኣይ ነቲ ተቓውሞ ክዓርግ ዝገበሮ ይብል ዶክተር ሳልሕ፡ እቲ ዩኒቨርስቲ ኮሎምቢያ ኣብ ፈለማኡ ዝወሰዶ ተበግሶ’ዩ። ብሓይሊ ንምዕባሱ ድሕሪ ምፍታኑ ድማ ነቲ ተቓውሞ ከግድዶን ሕራነት ተመሃሮ ክንህርን ድርኺት ከም ዝገበረ ዶክተር ሳልሕ ይገልጽ።
እዚ ኣድማታት ኣብ መንግስታት ግን ዛጊት ዝጥቀስ ጽልዋ ከም ዘይብሉ ዝጠቐሰ ዶ/ር ሳልሕ፡ ሕጂ ናብ ኤውሮጳ ብምስጋሩ ግን ኣብ ዝተናውሐ፡ እቲ ኲናት’ውን ብማዕረ እንተቐጺሉ እቲ ዝዓበየ ጽልዋ ኣብኡ ክህሉ ከም ዝኽእል ይምጉት። ንሱ ድማ ኣብ መንጎ ፖሊሲታት ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ምዃኑ’ዩ እቲ ምሁር ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ዝኣምን። መንግስታት ኤውሮጳ ልዕሊ ናይ ኣመሪካ ቀጥታዊ ተጸዋዕነት ናብ ህዝቢ ስለ ዝዛይድ’ዩ ድማ ኣብ ኤውሮጳ ክህሉዎ ዝኽእል ውጽኢት ከም ዝዓቢ ዝምጕት። እዚ ቅርጺ’ዚ ኣብ ዩኒቨርስታት ኣመሪካ’ውን ኣብ ምወላ ዩኒቨርስታት ነዊሕን ዝተሓለለኸን ስለ ዝዀነ’ዩ ድማ ኣብተን ዩኒቨርስታት ቅልጡፍን መሰረታዊን ለውጢ ከምጽእ ኣይጽበዮን።
ኣድማ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲታት ንክረምታዊ ዕረፍቲ ምቅርራብ ኣብ ዝግበረሉ እዋን’ዩ ጀሚሩ። ተመሃሮ ናብ ስድራቤቶም ምስ ከዱ እዚ ኣድማታት ናይ ምቕጻል ተኽእሎኡ ዝተሓተተ ዶክተር ሳልሕ ዑመር ኑር፡ እስራኤል እትገብሮ ዘላ መጥቃዕቲ እንተቐጺላ ክቕጽል’ዩ ዝብል እምነት ኣለዎ። እቶም ተመሃሮ ምስ ተበታተኑ ናብ ስድራቤቶም ከተማታቶምን ከስግሩዎ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ድማ ይኣምን። ተቓውሞታት ናብ ስድራን ከተማን ምውሳድ ኣብ እዋን ኲናት ቬትናም’ውን ከም ዝተራእየ ዶ/ር ሳልሕ ይዛረብ። ሕጂ’ውን ምስዚ ዝርአ ዘሎ ተመሳሳልነት ክህሉዎ ከም ዝኽእል ከኣ ይኣምን።
ቅጥዒ