ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አማውታ ኤርትራዊ ስደተኛ አብ እስራኤል ብዝሓከሞ ዶክተር ዮነሃናን ባይዘል


ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ኣብ እስራኤል ግዳይ መጥቓዕቲ ዝኾነ ኤርትራዊ ህይወቱ ዝሓለፈ ኣብ አፍልቡን ከብዱን ብዝበጸሖ ከቢድ መቑሰልቲ እዩ ኢሎም ህይወቱ ንምትራፉ ናይ ሰለስተ ስዓታት መጥባሕቲ ዘካየዱሉ ዶ/ር ዮንሃናን በይዘል።እቲ ከቢድ መቑሰልቲ ኣብ ከብዱ ብዝተወቕዖ ናይ ጥይት ማህረምቲ ምዃኑ'ውን ሓቢሮም አለዉ።

ህይወቱ ንምትራፍ ናይ ሰለስተ ስዓታት መጥባሕቲ ዘካየድሉ ኣብ ማእኸል ሕክምና ዩንቨርስቲ ሶሮካ ምኽትል ዳይረክተ ዶ/ር ዮንሃናን በይዘል እቲ ኤርትራዊ ኣዚዩ ተጎዲኡን ቆሲሉን ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ሕክምና ምብጽሑን ምርመራ ምስተገብረሉ ሽዑ ንሽዑ ናብ መጥባሕቲ ምእታውን ይገልጹ።

ብጥይት ድዩ ወይስ ሰባት ኣብ ልዕሊ ብዝፈጸምዎ መውቃዕቲ ህይወቱ ሓሊፉ ግን ፈልየ ንምዝራብ የጸግመኒ’ዩ ይብሉ ዶ/ር ዮንሃናን።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

አማውታ ኤርትራዊ ስደተኛ አብ እስራኤል ብዝሓከሞ ዶክተር ዮነሃናን ባይዘል
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:35 0:00

XS
SM
MD
LG