ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ፖሊስ እስራኤል "ብጌጋ" ብዝተተኮሰሉ ጥይት ሞይቱ


እዚ ብዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሃን ሙሉ ሃብቶም ዘርኦም ተባሂሉ ዝተገልጸ ኤርትራዊ መንእሰይ አዕሩኽቱ ግን ሙሉእ ስሙ ሃብቶም ወልደሚካኤል ከምዝበሃል ይገልጹ።

ሓደ ዜግነቱ እስራኤላዊ ዝኾነ ዓረብ አብ መዋፈሪ አውቶቡስ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ሓደ እስራኤላዊ ወታደር ቀቲሉ 10 ሰባት ድሕሪ ምቁሳሉ ፖሊስ ንሱ'ውን ካልኣይ ናይቲ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ መሲልዎ'ዩ ብጥይት ተኩሱ ወቂዕዎ። አብ መርበብ ሓበሬታት አብ ዝተዘገሓ ቪድዮ ከምዘርእዮ እቲ መንእሰይ በጥይት ተወቒዑ ወዲቑ ከሎ እኩባት ሰባት በብዝሓዝዎ ከምዝቀጥቀጥዎ ክኸውን ከሎ አብ መሬት'ውን ዝፈሰሰ ደም ይረአይ።

መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ቅትለት ኤርትራዊ ስደተኛ ዘውግዝ መግለጺ አውጺኡ'ሎ።ናይ ሚንስትር ዜና አቶ የማነ ገብረመስቀል ቲውተር መልእኽቲ እቲ መግለጺ አብ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ከምዝወጸ ይሕብር። አብቲ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ እዚ ፍጻሜ አካል ናይቲ አብ ልዕሊ አሽሓት ኤርትራዊያን አብ ውሽጢ እስራኤል ዝፍጸም ዘይተገልጸ መጽቐቲ'ዩ ድሕሪ ምባል እዚ ድማ ሓደ ውጽኢት ዓለም-ለኸ ዝተወደበ ገበን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰባት'ዩ ድሕሪ ምባል መንግስትን ህዝብን ኤርትራ አብ ልዕሊ'ዚ ዝለዓለ ቁጥዓን ውግዘትን ይገልጹ'ለው ኢሉ።

ሰበ-ስልጣን እስራኤል ነቲ ዝተፈጸመ ቅትለትን ምቅጥቃጥን ብጌጋ'ዩ ብምባል ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ከምዘቅረቡ'ውን እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ሓቢሩ'ሎ።

ድምጺ አሜሪካ ክፍሊ ትግርኛ አብቲ መዋፈሪ አውቶቡስ ምስኡ ዝነበረን ዓርኩን መተዓብይቱን ከምኡ'ውን ካልእ አብቲ ቦታ ምስኡ ዝነበረ ዓርኩን ብቴሌፎን ረኺቡ አዘራሪብዎም'ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ኤርትራዊ ስደተኛ ፖሊስ እስራኤል ብዝተኮሰ ጥይት ምሟቱ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:06 0:00

XS
SM
MD
LG