22:16
10.7.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ድሮ ፈረንሳ ኣብ ምጅማር ካልኣይ እብረ ማለት ኣብ መበል 51 ደቒቕ ብመገዲ ሳሙኤል ኡምቲቲ ሸቶ ኣመዝጊባ ኣላ።
በዚ ድማ ፈረንሳይ ሓደ በልጅም ባዶ ፡ ካልኣይ እብረ ጸወታ ይቕጽል።
22:32
10.7.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
በልጅማዊ ኢደን ሃዛርድ ብጫ ካርድ ወሲዱ ኣሎ። ሃዛርድ ንማቱዲ ብምጉታቱዩ መጠንቀቕታ ክወሃቦ ክኢሉ ኣሎ።
ጸውታ ከም ዝተገመተ ካብ ቀዳማይ እብረ ሙሉእ ብሙሉእ ተቐይሩ ፡ ረስኒ ተሓዊስዎ መጥቃዕትን ፡ መልሰ መጥቃዕትን ብኽልቲአን ጋንታታት ኣሰንይዎ ይርከብ። ቤልጅም እውን ኣይሰነፈትን በዚ ናህሪዚ ማዕረ ትገብር ሸቶ ከይረኸቡ ኣይተርፉን እዮም። ብሓፈሻ ክርኣዩ ከለው ግን ኣብ ካልኣይ እብረ በልጅማውያን በታ ዝተመዝገበቶም ሸቶ ዝተዳህሉ ይመስሉ።
22:43
10.7.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
እዛ ኣብ መበል 51 ደቒቕ ብኩርናዕ ተቐሊዓ ብፈረንሳዊ ሳሙኤል ኡምቲቲ ኣብ ልዕሊ ቤልጅዩም ዝተመዝገበት ሸቶ፡ በልጅም ኣብ ታሪኻ ማለት ድሕሪ 1994; እዚ ድማ ብሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ምዃኑ'ዩ: ዝተመዝገበታ ተመሳሳሊት ሸቶ - እዚኣ ብፈረንሳ ዝተመዝገበታ ንፈለማ ግዜኣ እያ።