18:49
2.7.2018
ግጥም ብራዚልን መክሲኮን
ብራዚልን ሜክሲኮን ኣብ ዘካይድኦ ዘለዋ ግጥም ኣውዲቕካ ምሕላፍ ህቡብ ብራዚላዊ ኣጥቅዓይ ነይማር ንብራዚል ናብ ዝቕጽል ግጥም ርብዒ ፍጻመ ከተሕልፍ ትኽእል ናይ መሪሕነት ሸቶ ሽዱሽተ ደቒቕ ድሕሪ ካልኣይ እብረ ጸወታ ኣመዝጊቡ።
እዛ ሸቶ እዚኣ ንብራዚላውያን ሩፍታ ትፈጥር’ኳ እንተኾነት ንስልቲ ጸወታ ሜክሲኮ ተዓዚብካ ፊስካ ተነፊሓ ጸወታ ክሳብ ዝዛዘም ውሕስነት ዘለዋ ግን ኣይኮነትን።
ተጻወቲ መክሲኮ ብነይማር ድሕሪ ዝተመዝገበቶም ሸቶ ዝተረበሹ ይመስሉ። ኣቐዲሙ ካርሎስ ሳልሰዶ ሓደ ካብቶም ተኸላኸልቲ መክሲኮ ብጫ ናይ መጠንቀቕታ ካርድ ዝተዋህቦ ክኸውን እንከሎ ሕጂ ድማ ሚገል ላዩን ሕማቕ ፋውል ኣብ ልዕሊ ነይማር ሰሪሑ ነቲ ኩነታት ኣብኢስዎ ይርከብ።
18:49
2.7.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ተጻወቲ መክሲኮ ብነይማር ድሕሪ ዝተመዝገበቶም ሸቶ ዝተረበሹ ይመስሉ። ኣቐዲሙ ካርሎስ ሳልሰዶ ሓደ ካብቶም ተኸላኸልቲ መክሲኮ ብጫ ናይ መጠንቀቕታ ካርድ ዝተዋህቦ ክኸውን እንከሎ ሕጂ ድማ ሚገል ላዩን ሕማቕ ፋውል ኣብ ልዕሊ ነይማር ሰሪሑ ነቲ ኩነታት ኣብኢስዎ ይርከብ።
19:06
2.7.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ብራዚላዊ ፊርሚኖ ሒደት ደቓይቕ ንኮቲንሆ ቀይሩ ሜዳ ድሕሪ ምእታው ካብ ነይማር ንዝተቐልዐ ኩዕሶ ኣብ ነብሱ ቀይሱ ንዕኡ ፋልመይቲ ንሃገራዊት ጋንትኡ ድማ ካልአይቲ ሸቶ ኣብ ልዕሊ መክሲኮ ኣመዝጊቡ። በዚ ድማ ተስፋ መክሲኮ ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ዘኽተመ እዩ ዝመስል። ኣብ ዝተረፋ ሒደት ደቓይቕ ክልተ ሸቶ ኣምሊሳ መክሲኮ ክትዕወት ዘለዋ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።
ብራዚል 2 መክሲኮ 0