ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኺድ ናብ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም 2018

16:15 18.6.2018

ንዓወት ሜክሲኮ ዝጽንብሉ ፈተውቲ ኩዕሶ እግሪ ኣብታ ሃገር ‘ምንቅጥቃጥ ምድሪ” ምልዓሎም ተገሊጹ

ሲምሳ ዝተባህለ ኤጄንሲ ኣብ ዋና ከተማ ሜክሲኮ ሰብ ሰርሖ “ምንቕጥቃጥ መሬት” ኣብ መሳርሒታት’ታ ሃገር ምምዝጋቡ ሓቢሩ። እቲ ኤጂንሲ ብተወሳኺ እቲ “ምቕጥቓጥ መሬት” ሜክሲኮ ንጀርመን 1 ብ 0 ኣብ ዝሰዓረትሉ እዋን ሓጎሶም ብምግላጽ ብዝዘለሉ ዜጋታት እታ ሃገር ዝተፈጥረ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ’ሎ።

17:30 18.6.2018

ሎሚ ሶኑይ ብኣቆጻጽራ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ዝገጠማ ካብ ምድብ F ሽወደን ምስ ደቡብ ኮርያ ሽወድን 1 ብ 0 ተዓዊታ’ላ።

ሽወድን ብተከላኻሊኣ ኣንድረስ ግራንቪስት ኣብ መበል 65 ደቂቕ ብዘመዝገበታ ሸቶ ተዓዊታ’ላ።

ሽወደን ዘመዝገበታ ሸቶ
ሽወደን ዘመዝገበታ ሸቶ

19:13 18.6.2018

ሎሚ ሶኑይ ካብ ዝካየድ ዘሎ ካልኣይ ግጥም ዋንጫ ዓለም 2018 ምድብ " G" ቤልጅምን ፓናማን ፡ቀዳማይ ፍርቂ'ቲ ጸወታ 0 ብ 0 ድሕሪ ምዝምዛሙ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ መበል 46 ቤልጅም ብዘመዝገበታ ሸቶ 1 ብ 0 ትመርሕ አላ።

ግጥም ቤልጅምን ፓናማን
ግጥም ቤልጅምን ፓናማን

20:03 18.6.2018

ግጥም ቤልጅም ምስ ፓናማ ብዓወት ቤልጅም 3 ብ 0 ተዛዚሙ'ሎ።

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG