16:15
18.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ንዓወት ሜክሲኮ ዝጽንብሉ ፈተውቲ ኩዕሶ እግሪ ኣብታ ሃገር ‘ምንቅጥቃጥ ምድሪ” ምልዓሎም ተገሊጹ
ሲምሳ ዝተባህለ ኤጄንሲ ኣብ ዋና ከተማ ሜክሲኮ ሰብ ሰርሖ “ምንቕጥቃጥ መሬት” ኣብ መሳርሒታት’ታ ሃገር ምምዝጋቡ ሓቢሩ። እቲ ኤጂንሲ ብተወሳኺ እቲ “ምቕጥቓጥ መሬት” ሜክሲኮ ንጀርመን 1 ብ 0 ኣብ ዝሰዓረትሉ እዋን ሓጎሶም ብምግላጽ ብዝዘለሉ ዜጋታት እታ ሃገር ዝተፈጥረ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ’ሎ።
17:30
18.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ሎሚ ሶኑይ ብኣቆጻጽራ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ዝገጠማ ካብ ምድብ F ሽወደን ምስ ደቡብ ኮርያ ሽወድን 1 ብ 0 ተዓዊታ’ላ።
ሽወድን ብተከላኻሊኣ ኣንድረስ ግራንቪስት ኣብ መበል 65 ደቂቕ ብዘመዝገበታ ሸቶ ተዓዊታ’ላ።
19:13
18.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ሎሚ ሶኑይ ካብ ዝካየድ ዘሎ ካልኣይ ግጥም ዋንጫ ዓለም 2018 ምድብ " G" ቤልጅምን ፓናማን ፡ቀዳማይ ፍርቂ'ቲ ጸወታ 0 ብ 0 ድሕሪ ምዝምዛሙ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ መበል 46 ቤልጅም ብዘመዝገበታ ሸቶ 1 ብ 0 ትመርሕ አላ።