ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኺድ ናብ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም 2018

22:04 16.6.2018

ናይዚ ዕለት ሳልሳይ ግጥም ዴንማርክ ምስ ፔሩ ኮይኑ፣ ሃገራዊት ጋንታ ፔሩ ንብዙሓት ከሰራስራ ዝወዓላ ተደጋጋሚ ብሉጻት ፈተነታት ብምክያድ ንልዳት ዴንማርክ ክኹዕኩሑ እኳ እንተወዓሉ ሸቶ ከመዝግቡ ከይቀንዖም ተጻዒሮም እዮም ወጺኦም።


ዴንማርክ ብመገዲ ዮሱፍ ፖልሰን እታ እንኮ ሸቶ ናይቲ ግጥም ብምምዝጋብ ሃገራዊት ጋንታ ደንማርክ ሙሉእ ነጥቢ ሓፊሳ ክትወጽእ ኣኽኢልዋዩ።


ፔሩ ድሕሪ 36 ዓመታት ናብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ትሳተፍ ዘላ ደቡብ ኣመሪካዊት ሃገር እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ዋንጫ ሸውዓተ ግጥማት ዘካየደት ኮይና; ኣብ ኩለን እተን ዘካየደተን ሸውዓተ ግጥማት ተዓዊታ ኣይትፈልጥን። ሓሙሽተ ግዜ ተሳዒራ ክልተ ግዜ ድማ ብማዕረ ዝተፈላለየት እታ ምስ ኩሉቲ በርቃዊ ጸወታኡ ዕድል ዘይብላ ተባሂላ እንተተገልጸት ዘይውሕዳ ሃገራዊት ጋንታ ኮይና እያ ትግለጽ።

ደንማርካዊ ዮሱፍ ፖውልሰን እታ እንኮን እተዐውትን ሸቶ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ ፔሩ እናመዝገበ
ደንማርካዊ ዮሱፍ ፖውልሰን እታ እንኮን እተዐውትን ሸቶ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ ፔሩ እናመዝገበ

ደንማርክ ብወገና ካብተን ኣብ ታሪኻ ኣብ መኽፈቲ እግራ ዘካየደተን ሓሙሽተ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ኣብተን ኣርባዕተ ዓወት ሰኒቓያ ወጺኣ። ኣብ 2010 ጥራይ ብሃገራዊት ጋንታ ነዘርላንድ ስዕረት ዘጋጠማ ልዑል ተመኩሮ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ዘለዋ ሃገር እያ።

ብዘይካዚ ደንማርክ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ደቡብ ኣመሪካ ኣብ ዘካይደተን ኣርባዕተ ናይ ዋንጫ ዓለም ግጥማት: ኣብተን ሰለስተ ተዓዊታ እያ። ኣብ 1998 ግን ብብራዚል ከምዝተሳዕረት ታሪኻዊ ድሕረ ባይታኣ የረድእ።

በዚ ድማ ዩ ደንማርክ ናይ ተሞክሮ ብልጫ ሒዛ ኣንጻር ፔሩ ዝቐረበት ክትኸውን እንከላ: እታ በርቃዊ ጸወታ ዘርኣየት ፔሩ ግን ክትዕወት ኣይከኣለትን።

ሓፈሻዊ ውጽኢት ፔሩ ምስ ደንማርክ
ሓፈሻዊ ውጽኢት ፔሩ ምስ ደንማርክ

23:49 16.6.2018

ናይጀርያ ምስ ክሮኤሽያ ኣብ እትገብሮ ዘላ ግጥም ክልተ ብ ባዶ ተመሪሓ ኣላ።

እዚ ውጽኢት ከምዘለዎ እንተቐጺሉ ናይጀርያ ን ግብጽን ሞሮኮን ተኸቲላ ኣብዚ ዋንጫ ዓለም ኣብ ቀዳማይ እግሪ ጸወትአን ስዕረት ትጎናጸፍ ዘላ ሃገር ክትከውን እያ።

23:53 16.6.2018

ከምዝፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ ናይጀርያ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ተኸታተልቲ ዝተኻየደ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ኣብ ሓሙሽተኡ ዝተሳተፈት ሃገር እያ።

እዚ ድማ እኹል ተሞክሮ ዘስነቓ ዃ እንተኾነ ምስታ ተጻወታ ንፈለማ ግዜ ኣብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ዝሳተፉ ዘለው ሃገራዊት ጋንታ ክሮኤሽያ ተካይዶ ዘላ ግጥም ግን ከምትጽቢት ዝተነብረሉ ኣይኮነን።

23:57 16.6.2018

ግጥም ክልቲአን ሃገራት ብዓወት ክሮሽያ ክልተ ብባዶ ተዛዚሙ ኣሎ።

እዚ ድማ ነቶም ብዘኢግልስ ትፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ ናይጀርያ ኣብ ቀጻሊ ኣብ እተካይዶ ግጥማት ተሳቲፋ ምስ ቀዳሞት ክልተ ኮይና ካብ ምድባ ክትሓልፍ ከቢድ ጻዕሪ ክሓታዩ።

ሓፈሻዊ ውጽኢት ግጥም ናይጀርያ ምስ ክሮኤሽያ
ሓፈሻዊ ውጽኢት ግጥም ናይጀርያ ምስ ክሮኤሽያ

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG