- By ዊንታ ኪዳነ
ናይዚ ዕለት ሳልሳይ ግጥም ዴንማርክ ምስ ፔሩ ኮይኑ፣ ሃገራዊት ጋንታ ፔሩ ንብዙሓት ከሰራስራ ዝወዓላ ተደጋጋሚ ብሉጻት ፈተነታት ብምክያድ ንልዳት ዴንማርክ ክኹዕኩሑ እኳ እንተወዓሉ ሸቶ ከመዝግቡ ከይቀንዖም ተጻዒሮም እዮም ወጺኦም።
ዴንማርክ ብመገዲ ዮሱፍ ፖልሰን እታ እንኮ ሸቶ ናይቲ ግጥም ብምምዝጋብ ሃገራዊት ጋንታ ደንማርክ ሙሉእ ነጥቢ ሓፊሳ ክትወጽእ ኣኽኢልዋዩ።
ፔሩ ድሕሪ 36 ዓመታት ናብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ትሳተፍ ዘላ ደቡብ ኣመሪካዊት ሃገር እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ዋንጫ ሸውዓተ ግጥማት ዘካየደት ኮይና; ኣብ ኩለን እተን ዘካየደተን ሸውዓተ ግጥማት ተዓዊታ ኣይትፈልጥን። ሓሙሽተ ግዜ ተሳዒራ ክልተ ግዜ ድማ ብማዕረ ዝተፈላለየት እታ ምስ ኩሉቲ በርቃዊ ጸወታኡ ዕድል ዘይብላ ተባሂላ እንተተገልጸት ዘይውሕዳ ሃገራዊት ጋንታ ኮይና እያ ትግለጽ።
ደንማርክ ብወገና ካብተን ኣብ ታሪኻ ኣብ መኽፈቲ እግራ ዘካየደተን ሓሙሽተ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ኣብተን ኣርባዕተ ዓወት ሰኒቓያ ወጺኣ። ኣብ 2010 ጥራይ ብሃገራዊት ጋንታ ነዘርላንድ ስዕረት ዘጋጠማ ልዑል ተመኩሮ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ዘለዋ ሃገር እያ።
ብዘይካዚ ደንማርክ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ደቡብ ኣመሪካ ኣብ ዘካይደተን ኣርባዕተ ናይ ዋንጫ ዓለም ግጥማት: ኣብተን ሰለስተ ተዓዊታ እያ። ኣብ 1998 ግን ብብራዚል ከምዝተሳዕረት ታሪኻዊ ድሕረ ባይታኣ የረድእ።
በዚ ድማ ዩ ደንማርክ ናይ ተሞክሮ ብልጫ ሒዛ ኣንጻር ፔሩ ዝቐረበት ክትኸውን እንከላ: እታ በርቃዊ ጸወታ ዘርኣየት ፔሩ ግን ክትዕወት ኣይከኣለትን።
- By ዊንታ ኪዳነ
ናይጀርያ ምስ ክሮኤሽያ ኣብ እትገብሮ ዘላ ግጥም ክልተ ብ ባዶ ተመሪሓ ኣላ።
እዚ ውጽኢት ከምዘለዎ እንተቐጺሉ ናይጀርያ ን ግብጽን ሞሮኮን ተኸቲላ ኣብዚ ዋንጫ ዓለም ኣብ ቀዳማይ እግሪ ጸወትአን ስዕረት ትጎናጸፍ ዘላ ሃገር ክትከውን እያ።
- By ዊንታ ኪዳነ
ከምዝፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ ናይጀርያ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ተኸታተልቲ ዝተኻየደ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ኣብ ሓሙሽተኡ ዝተሳተፈት ሃገር እያ።
እዚ ድማ እኹል ተሞክሮ ዘስነቓ ዃ እንተኾነ ምስታ ተጻወታ ንፈለማ ግዜ ኣብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ዝሳተፉ ዘለው ሃገራዊት ጋንታ ክሮኤሽያ ተካይዶ ዘላ ግጥም ግን ከምትጽቢት ዝተነብረሉ ኣይኮነን።
- By ዊንታ ኪዳነ
ግጥም ክልቲአን ሃገራት ብዓወት ክሮሽያ ክልተ ብባዶ ተዛዚሙ ኣሎ።
እዚ ድማ ነቶም ብዘኢግልስ ትፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ ናይጀርያ ኣብ ቀጻሊ ኣብ እተካይዶ ግጥማት ተሳቲፋ ምስ ቀዳሞት ክልተ ኮይና ካብ ምድባ ክትሓልፍ ከቢድ ጻዕሪ ክሓታዩ።