- By ዊንታ ኪዳነ
ስጳኛን ፖርቱጋልን ሙሉእ ናይ ጸወታ ግዜአን ብናይ ሓባር ውጽኢት 3 ብ 3 ተፈላልየን ኣለዋ።
እዚ ማለት ነታ ኣቐዲማ ኣንጻር ግብጺ ገጢማ 1 ብ 0 ዝተዓወተት ኢራን ብሰለስተ ነጥቢ መራሒት Group B ክትከውን ኣኽኢልዋ ኣሎ።
ስጳኛን ፖርቱጋልን ነፍስወከፈን ብሓደ ነጥቢ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይርከባ። ግብጺ ድማ ብ ባዶ ነጥቢ ካብ ምድባ ኣብ መወዳእታ ትርከብ።
- By ዊንታ ኪዳነ
ሎሚ ቀዳም ቀጺሉ ኣብ ዝወዓለ ዋንጫ ዓለም 2018 ፈረንሳ ምስ ኣውስትራልያ ዝገጠመት ኮይና፤ እቲ ግጥም ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ታሪኻዊ ዘብሎ ፍጻመ ዝተሰነደሉ ኮይኑ'ዩ ቀሪቡ።
ናይ ፈለማ ብሓገዝ ቪድዮ ዝተሰነየ ውሳነ ዳኛ ማለት VAR ተባሂሉ ዝጥቀስን ንፈለማ ግዜ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝተኣታተወን ኣገባብ: ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ኣብ መበል 55 ደቒቕ ናይቲ ሸቶ ዘይተመዝገቦ ጸወታ ፍጹም ቅላዕ ክትረክብ ኣኽኢልዋ'ዩ።
ኣንቶይን ግሪዝማን ከየላበወ ሸቶ ኣመዝጊቡ ፈረንሳ መሪሕነት ክትጭብጥ ዘኽኣለ'ኳ እንተኾነ: ድሕሪ ሓሙሽተ ደቒቕ ኣውስትራልያ'ውን ብተመሳሳሊ ብሓገዝ ቪድዮ ዝተረጋገጸ ውሳነ ዳኛ ማዕረ እትገብርን ንመሪሕነት ፈረንሳ እትቖጽን ሸቶ ተመዝጊቡ። ፈረንሳ 1 ኣውስትራልያ 1 ።
ጸወታ ክዛዘም ሒደት ክተርፎ እንከሎ ግን ህቡብ ፈረንሳዊ ኣጥቃዓይ ፖል ፖግባ ዳግማይ ንሃገራዊት ጋንትኡ ተዐውት ሸቶ ኣመዝጊቡ። በዚ ድማ ፈንረሳ 2 ብ 1 ዝኾነ ውጽኢት ናይ ፈለማ ናይ ምድብ ጸወታኣ ተዓዊታ ክትወጽእ ክኢላ እያ።
- By ዊንታ ኪዳነ
ግጥም ኣርጀንቲና ምስ ኣይስላንድ ብብዙሓት ኣፍርቀርቲ ስፖርት ዳርጋ ግጥም ሓርማዝን ዕንቅርዖብን ኮይኑ'ዩ ቀሪቡ።
ውጽኢቱ ኣቐዲሙ ኣርጀንቲና ክትዕወትያ ብዝብል ግምት ክልቲአን ሃገራውያን ጋንታታት ናብ ሜዳ ዝኣተዋ ክኾና ከለዋ: ብቐንዱ ግን ህቡብ ኣርጀንቲናዊ ሊዮነል መሲ እንታይ ታሪኽ ክሰርሕ'ዩ ናብ ዝብል ኣቶኩሮ ዝገበረ'ዩ ነይሩ። ብፍላይ መዘንኡን መቐናቕንትኡን ዝኾነ ፖርቱጋላዊ ክርስትያኖ ሮናልዶ ትማሊ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ ኣብ ዘካየዶ ግጥም ኣብ ዋንጫ ዓለም ናይ ፈለማ ሃት ትሪክ ሰርሑ ድሕሪ ምውጻኡ፤ ኩሉ ኣቓልቦ ናብ መሲ ኣድሂቡ።
ኣብ ግጥም ኣርጀንቲና ምስ ኣይስላንድ መሲኸ እንታይ ከርእየና'ዮ ዝብል ትጽቢት ዓሲልዎ ዝወዓለ ግጥም ድማ'ዩ ነይሩ ።
ይኹን'ምበር ዕዳጋስ ኣዴኻ ከምዝለኣኸትካ ዘይኮነ ከምዝጸንሓካ'ዩ ከምዝብል ምስላ ትግርኛ: መሲ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ ኮይኑ'ዩ ናይ ፈለማ ናይ ዋንጫ ዓለም ጸወታኡ መሲሱ።
በዚ ድማ ከይኮነ ኣይተርፍን ኣርጀንቲና ነጥቢ ተማቒላ ብማዕረ ዝኾነ ውጽኢት ማለት ሓደ ብ ሓደ ዝኾነ ናይ ሓባር ውጽኢት ምፍልላ'ያ ንብዙሓት ኣርጀንቲናውያንን ካልኦት ደገፍታን እንኮላይ ኣብቲ ቦታ ቐሪቡ ዝዕዘብ ዝነበረ ብሉጽ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ዝነበረ ዲያጎ ማራዶና ክቑጥዑ ዝተራእዩ።
ኣርጀንቲና ብ ሰርጅዮ ኣጉየሮ ኣብ ዋንጫ ዓለም ናይ ፈለማን መኽፈቲትን ኣብ መበል ደቒቕ ሸቶ ከተመዝግብ እንከላ ኣይስላንድ ድማ ብመገዲ ኣልፍረድ ፊንቦጋሶን ኣብ መበል ማዕረ እትገብር ሸቶ ኣመዝጊባ።
- By ዊንታ ኪዳነ
ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ሊዮነል መሲ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ብምስሓቱ እቲ ቐንዲ ተቐናቓኒኡ ክርስትያኖ ሮናልዶ ግን ዝተዋህበቶ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ብውሕሉ ቅላዕ ምምዝጋቡ ጥራይ ዘይኮነ ተደጋጋሚ ሸቶታት ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ስጳኛ ብምምዝጋቡ : ኣርጀንቲና ትምክሓሉ ህቡብ ተጻዋታያ ምስ ክርስትያኖ ሮናልዶ ከምዘይዳረግ ሓጺር መረዳእታ'ዩ።
እቲ ዝኸፍአ ግን ብሕጂ ኸ ዝብል ኮይኑ? ሊዮነል መሲ እዚ ናይ ፈለማ እግሪ ጸውታኡ ኣብ ዝቕጽል ግጥማቱ ንዕኡን ነታ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲናን ኣሉታዊ ተጽዕኖ ክገድፍ ስለዝኽእል: ኣርጀንቲና ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ተሸሚማ ትርከብ።