ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኺድ ናብ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም 2018

23:06 15.6.2018

ስጳኛን ፖርቱጋልን ሙሉእ ናይ ጸወታ ግዜአን ብናይ ሓባር ውጽኢት 3 ብ 3 ተፈላልየን ኣለዋ።

እዚ ማለት ነታ ኣቐዲማ ኣንጻር ግብጺ ገጢማ 1 ብ 0 ዝተዓወተት ኢራን ብሰለስተ ነጥቢ መራሒት Group B ክትከውን ኣኽኢልዋ ኣሎ።

ስጳኛን ፖርቱጋልን ነፍስወከፈን ብሓደ ነጥቢ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይርከባ። ግብጺ ድማ ብ ባዶ ነጥቢ ካብ ምድባ ኣብ መወዳእታ ትርከብ።

20:32 16.6.2018

ሎሚ ቀዳም ቀጺሉ ኣብ ዝወዓለ ዋንጫ ዓለም 2018 ፈረንሳ ምስ ኣውስትራልያ ዝገጠመት ኮይና፤ እቲ ግጥም ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ታሪኻዊ ዘብሎ ፍጻመ ዝተሰነደሉ ኮይኑ'ዩ ቀሪቡ።

ኣውስትራልያዊ ሓላው ልዳት መቱ ራጃን ከድሕና ዘይከኣላ ብ ፈረንሳዊ ፖል ፖግባ ዘዐወተት ሸቶ እናተመዝገበት።
ኣውስትራልያዊ ሓላው ልዳት መቱ ራጃን ከድሕና ዘይከኣላ ብ ፈረንሳዊ ፖል ፖግባ ዘዐወተት ሸቶ እናተመዝገበት።

ናይ ፈለማ ብሓገዝ ቪድዮ ዝተሰነየ ውሳነ ዳኛ ማለት VAR ተባሂሉ ዝጥቀስን ንፈለማ ግዜ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝተኣታተወን ኣገባብ: ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ኣብ መበል 55 ደቒቕ ናይቲ ሸቶ ዘይተመዝገቦ ጸወታ ፍጹም ቅላዕ ክትረክብ ኣኽኢልዋ'ዩ።

ኣንቶይን ግሪዝማን ከየላበወ ሸቶ ኣመዝጊቡ ፈረንሳ መሪሕነት ክትጭብጥ ዘኽኣለ'ኳ እንተኾነ: ድሕሪ ሓሙሽተ ደቒቕ ኣውስትራልያ'ውን ብተመሳሳሊ ብሓገዝ ቪድዮ ዝተረጋገጸ ውሳነ ዳኛ ማዕረ እትገብርን ንመሪሕነት ፈረንሳ እትቖጽን ሸቶ ተመዝጊቡ። ፈረንሳ 1 ኣውስትራልያ 1 ።

ጸወታ ክዛዘም ሒደት ክተርፎ እንከሎ ግን ህቡብ ፈረንሳዊ ኣጥቃዓይ ፖል ፖግባ ዳግማይ ንሃገራዊት ጋንትኡ ተዐውት ሸቶ ኣመዝጊቡ። በዚ ድማ ፈንረሳ 2 ብ 1 ዝኾነ ውጽኢት ናይ ፈለማ ናይ ምድብ ጸወታኣ ተዓዊታ ክትወጽእ ክኢላ እያ።

ሓፈሻዊ ውጽኢት ግጥም ፈረንሳ ምስ ኣውስትራልያ
ሓፈሻዊ ውጽኢት ግጥም ፈረንሳ ምስ ኣውስትራልያ

21:16 16.6.2018

ግጥም ኣርጀንቲና ምስ ኣይስላንድ ብብዙሓት ኣፍርቀርቲ ስፖርት ዳርጋ ግጥም ሓርማዝን ዕንቅርዖብን ኮይኑ'ዩ ቀሪቡ።

ውጽኢቱ ኣቐዲሙ ኣርጀንቲና ክትዕወትያ ብዝብል ግምት ክልቲአን ሃገራውያን ጋንታታት ናብ ሜዳ ዝኣተዋ ክኾና ከለዋ: ብቐንዱ ግን ህቡብ ኣርጀንቲናዊ ሊዮነል መሲ እንታይ ታሪኽ ክሰርሕ'ዩ ናብ ዝብል ኣቶኩሮ ዝገበረ'ዩ ነይሩ። ብፍላይ መዘንኡን መቐናቕንትኡን ዝኾነ ፖርቱጋላዊ ክርስትያኖ ሮናልዶ ትማሊ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ ኣብ ዘካየዶ ግጥም ኣብ ዋንጫ ዓለም ናይ ፈለማ ሃት ትሪክ ሰርሑ ድሕሪ ምውጻኡ፤ ኩሉ ኣቓልቦ ናብ መሲ ኣድሂቡ።

ኣብ ግጥም ኣርጀንቲና ምስ ኣይስላንድ መሲኸ እንታይ ከርእየና'ዮ ዝብል ትጽቢት ዓሲልዎ ዝወዓለ ግጥም ድማ'ዩ ነይሩ ።

ይኹን'ምበር ዕዳጋስ ኣዴኻ ከምዝለኣኸትካ ዘይኮነ ከምዝጸንሓካ'ዩ ከምዝብል ምስላ ትግርኛ: መሲ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ ኮይኑ'ዩ ናይ ፈለማ ናይ ዋንጫ ዓለም ጸወታኡ መሲሱ።

በዚ ድማ ከይኮነ ኣይተርፍን ኣርጀንቲና ነጥቢ ተማቒላ ብማዕረ ዝኾነ ውጽኢት ማለት ሓደ ብ ሓደ ዝኾነ ናይ ሓባር ውጽኢት ምፍልላ'ያ ንብዙሓት ኣርጀንቲናውያንን ካልኦት ደገፍታን እንኮላይ ኣብቲ ቦታ ቐሪቡ ዝዕዘብ ዝነበረ ብሉጽ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ዝነበረ ዲያጎ ማራዶና ክቑጥዑ ዝተራእዩ።

ናይ ዓለምና ብሉጽ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ነበር ኣርጀንቲናዊ ዲያጎ ማራዶና ኣብ ግጥም ኣርጀንቲና ምስ ኣይስላንድ
ናይ ዓለምና ብሉጽ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ነበር ኣርጀንቲናዊ ዲያጎ ማራዶና ኣብ ግጥም ኣርጀንቲና ምስ ኣይስላንድ

ኣርጀንቲና ብ ሰርጅዮ ኣጉየሮ ኣብ ዋንጫ ዓለም ናይ ፈለማን መኽፈቲትን ኣብ መበል ደቒቕ ሸቶ ከተመዝግብ እንከላ ኣይስላንድ ድማ ብመገዲ ኣልፍረድ ፊንቦጋሶን ኣብ መበል ማዕረ እትገብር ሸቶ ኣመዝጊባ።

ሓፈሻዊ ውጽኢት ኣርጀንቲና ምስ ኣይስላንድ
ሓፈሻዊ ውጽኢት ኣርጀንቲና ምስ ኣይስላንድ

21:30 16.6.2018

ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ሊዮነል መሲ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ብምስሓቱ እቲ ቐንዲ ተቐናቓኒኡ ክርስትያኖ ሮናልዶ ግን ዝተዋህበቶ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ብውሕሉ ቅላዕ ምምዝጋቡ ጥራይ ዘይኮነ ተደጋጋሚ ሸቶታት ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ስጳኛ ብምምዝጋቡ : ኣርጀንቲና ትምክሓሉ ህቡብ ተጻዋታያ ምስ ክርስትያኖ ሮናልዶ ከምዘይዳረግ ሓጺር መረዳእታ'ዩ።

ሊዮነል መሲ ኣብ ሓዘን
ሊዮነል መሲ ኣብ ሓዘን

እቲ ዝኸፍአ ግን ብሕጂ ኸ ዝብል ኮይኑ? ሊዮነል መሲ እዚ ናይ ፈለማ እግሪ ጸውታኡ ኣብ ዝቕጽል ግጥማቱ ንዕኡን ነታ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲናን ኣሉታዊ ተጽዕኖ ክገድፍ ስለዝኽእል: ኣርጀንቲና ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ተሸሚማ ትርከብ።

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG