ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኺድ ናብ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም 2018

21:57 15.6.2018

ጌጋ ሓላው ልዳት ደቪድ ገያ ናይ ስጳኛ፥ ነቲ ኣብ ከባቢ ልዳት ኩዕሶ እንተሒዙ ዘይምሕር ክርስትያኖ ሮናልዶ ዳርጋ ሸቶ ከመዝግብ ህያብ ኮይና ኣብ እግሩ ተዋሂባቶ።

ፋይል
ፋይል

በዚ ድማ ቀዳማይ እብረ ጸወታ ብመሪሕነት ፖርቱጋል 2 ብ 1 ክልቲአን ጋንታታት ንዕረፍቲ ወጺአን ኣለዋ።

22:05 15.6.2018

ስጳኛ ምስቲ ብሓድሽ ኣሰልጣኒ ናብዚ ዋንጫ ዓለም ቀሪባቶ ዘላ ብኹለንትንኣ ስጥምቲ ኮይና ኣብዚ ቀዳማይ እብረ ጸወታ እንተተረኣየት'ኳ - ኣብተን ክልተ ግዜ ብጌጋ ሶሊኸን ኣብ እግሪ እቲ ዘይምሕር ሮናልዶ ዝበጽሓ ኮዓሳሱ ሸቶ ኮይነን ክቕየራ ግን ግዜ ኣይወሰደለንን። ስጳኛ 1 ፖርቱጋል 2

22:17 15.6.2018
ሮናልዶ
ሮናልዶ

22:25 15.6.2018

ስጳኛ ካብ ድሕሪት ተበጊሳ ብዘመዝገበተን ክልተ ወሓላሉ ሸቶታት 3 ብ 2ዝኾነ ውጽኢት መሪሕነታት ኣረጋጊጻ ኣላ።

ደቪድ ኮስታ ኣብ መበል 55 ናቾ ድማ ኣብ መበል 59 ደቓይቕ ብዘመዝገብወን ክልተ ሸቶታት መሪሕነት ስጳኛ ኣረጋጊቶም ኣለው ። ኣብ ዝቕጽል ተሪፉ ዘሎ ኣስታት 30 ደቓይቕ እዚ ውጽኢት እንተተዓቂቡ ድማ ስጳኛ ጎብለል Group B ክትከውን ዝለዓለ ተኽእሎ ኣሎ።

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG