21:57
15.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ጌጋ ሓላው ልዳት ደቪድ ገያ ናይ ስጳኛ፥ ነቲ ኣብ ከባቢ ልዳት ኩዕሶ እንተሒዙ ዘይምሕር ክርስትያኖ ሮናልዶ ዳርጋ ሸቶ ከመዝግብ ህያብ ኮይና ኣብ እግሩ ተዋሂባቶ።
በዚ ድማ ቀዳማይ እብረ ጸወታ ብመሪሕነት ፖርቱጋል 2 ብ 1 ክልቲአን ጋንታታት ንዕረፍቲ ወጺአን ኣለዋ።
22:05
15.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ስጳኛ ምስቲ ብሓድሽ ኣሰልጣኒ ናብዚ ዋንጫ ዓለም ቀሪባቶ ዘላ ብኹለንትንኣ ስጥምቲ ኮይና ኣብዚ ቀዳማይ እብረ ጸወታ እንተተረኣየት'ኳ - ኣብተን ክልተ ግዜ ብጌጋ ሶሊኸን ኣብ እግሪ እቲ ዘይምሕር ሮናልዶ ዝበጽሓ ኮዓሳሱ ሸቶ ኮይነን ክቕየራ ግን ግዜ ኣይወሰደለንን። ስጳኛ 1 ፖርቱጋል 2
22:25
15.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ስጳኛ ካብ ድሕሪት ተበጊሳ ብዘመዝገበተን ክልተ ወሓላሉ ሸቶታት 3 ብ 2ዝኾነ ውጽኢት መሪሕነታት ኣረጋጊጻ ኣላ።
ደቪድ ኮስታ ኣብ መበል 55 ናቾ ድማ ኣብ መበል 59 ደቓይቕ ብዘመዝገብወን ክልተ ሸቶታት መሪሕነት ስጳኛ ኣረጋጊቶም ኣለው ። ኣብ ዝቕጽል ተሪፉ ዘሎ ኣስታት 30 ደቓይቕ እዚ ውጽኢት እንተተዓቂቡ ድማ ስጳኛ ጎብለል Group B ክትከውን ዝለዓለ ተኽእሎ ኣሎ።