21:38
15.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ስጳኛ ናብ ዋንጫ ዓለም 2018 ትቐርብ ዘላ ናይ ነዊሕ እዋን ኣሰልጣኒኣ ኣባሪራ ብሓድሽ ኣሰልጣኒ ፈርናንዶ ሀይሮ ተኪኣ እያ።
ንቡዙሓት ሓድሽ ኣሰልጣኒ ብፍላይ ኣብ ምቕራብ ዋንጫ ዓለም ኣብ ምውህሓድ ተጻወቲ ኣሉታዊ ጸገም ክፍጥር ይኽእልዩ ብዝብል ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ምቕያር ኣሰልጣንን ብሓፈሻ እታ ሃገራዊት ጋንታን ዕቃበታት ከስምዑ ጸኒሖም እዮም።
ይኹንምበር በዚ ናይ ፈለማ እብረ ውሁድ ምንቅስቓስ ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ ተሻቕል ጋንታ ኮይና ኣይቐረበትን።
21:45
15.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ክርስትያኖ ሮናልዶ ኣብ ዋንጫ ዓለም ንዕኡን ንሃገራዊት ጋንታ ፖርቱጋልን ናይ ፈለማ ሸቶ ብፍጹም ቅላዕ ኣብ ዘመዝገበሉ።
21:50
15.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ኣብ ምዝዛም ቀዳማይ እብረ ጸወታ ክልቲአን ጋንታታት ብጌጋ ሓልው ልዳት ስጳኛ ኣብ ሮናልዶ ዝበጽሐት ኩዕሶ ካልአይቲ ሸቶ ኮይና ክትምዝገብ ክኢላ። በዚ ድማ ፖርቱጋል 2 ብ 1 ዝኾነ ውጽኢት ቀዳማይ እብረ መሪሓ ንዕረፍቲ ወጺኣ።