19:50
15.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ካልኣይ እብረ ምቁራጽ ጸወታ ዝበዝ ሓሉ ኮይኑዩ ቀሪቡ። እዚ ድማ ንውሁድ ምንቅስቓስ ጸወታ ክዕቅቦ ኣይከኣለን ብፍላይ ክልቲአን ጋንታታት ሙሉእ ነጥቢ ክወስዳ ወሳኒ ኣብ ዝኾነሉ ጸወታ።
20:08
15.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ኢራን ምዱብ ናይ ጸወታ ሰዓት ድሕሪ ምዝዛሙ ኣብ ዝተወሰኸ ሽዱሽተ ደቓይቕ ሸቶ ብምምዝጋባ ተዓዋቲት ናይዚ ግጥም ኮይና ኣላ።
እታ ሸቶ ንሞሮኮኣዊ ካቢ ብዝቐየሮ ብቦውኣዱዝ ባዕሉ ናብ ልዳቱ ብዘመዝገባ እያ ንኢራን መሪሕነት ክትህባ ክኢላ። በዚ ድማ ኢራን 1 ብ 0 ዝኾነ ውጽኢት ኣብ ልዕሊ ሞሮኮ ተዓዊታ ኣላ።
21:21
15.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ዋንጫ ዓለም 2018 ካብ ዝጅምር ናይ ፈለማ ናይ ጎባልል ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ሞንጎ ፖርቱጋልን ስጳኛን ቅድሚ 17 ደቒቕ ድሕሪ ምጅማሩ ናይ ፈለማ ሸቶ በቲ ህቡብ ተጸዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለምና ዝኾነ ክርስትያኖ ሮናልዶ ኣብ 4 ደቒቕ ምጅማር እቲ ጸወታ ተመዝጊቡ ኣሎ።
እዚ ጸወታዚ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገመተ ርሱን ኮይኑ ብመሪሕነት ፖርቱጋል 1 ብ 0 ይቕጽል ኣሎ።
21:28
15.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ስጳኛ ኣብ መበል 24 ደቒቕ ነታ ሮናልዶ ብፍጹም ቅላዕ ንዘመዝገባ ሸቶ ማዕረ ትገብር ብመገዲ ዲያጎ ኮስታ ኣቢላ ኣመዝጊባላ። ስጳኛ 1 ፖርቱጋል ድማ 1 ብዝኾነ ውጽኢት ይቕጽል።