ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኺድ ናብ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም 2018

19:27 15.6.2018

ሞሮኮኣዊ ተጻዋታይ ኣዩብ ኢል ካቢ ኣብዚ ግጥም ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሓፈሻዊ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ብሉጽ ምንቅስቃስ ኣርእዩ ነታ ሃገራዊት ጋንታ ከሰጉማ ሓደ ካብቶም ዓቢ ትጽቢት ተነቢሩሎም ዘሎ እዩ።

19:37 15.6.2018

መህዲ ንመራሕ ጋንታ ኢራን ሾጃይ ብምትካእ ናይ ፈለማ ቅያር ሃገራዊት ኢራን ኮይኑ ናብ ሜዳ ኣትዩሎ።

ምቕያር ሓለቓ ጋንታ ኢራን ምናልባሽ ኢራን ሓድሽ ኣሰላልፋ ክትሰርዕ ዝመረጸቶ ኣገባብ ከይኮነ ኣይተርፍን ዩ።

19:41 15.6.2018

ኣብዚ ግጥምዚ ማዕረ ውጽኢት ንኢራን ኮነ ንሞሮኮ ፍጹም ዘየርብሕ እዩ። ምኽን ያቱ ኣብቲ ምድብ ዘለዋ ሃገራውያን ጋንታታት ስጳኛን ፖርቱጋልን ተመራሪሐን ክሓልፋ ዝለዓለ ባብ ዘርሑ ስለዝኾነ ። በዚ ድማዩ ክልቲአን ማለት ሞሮኮን ኢራንን ነጥቢ ከየጥፍኣን ተማቒለን ከይወጻን ብልዑል ጥንቃቐ ክፍተት ከይገደፋ ዝጻወታ ዘለዋ።

19:46 15.6.2018

ሞሮኮኣዊ ተጻዋታይ ኣዩብ ኢል ካቢ ኣብዚ ግጥም ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሓፈሻዊ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ብሉጽ ምንቅስቃስ ኣርእዩ ነታ ሃገራዊት ጋንታ ከሰጉማ ሓደ ካብቶም ዓቢ ትጽቢት ተነቢሩሎም ዘሎ እዩ። ይኹንምበር ኣድማዒ ምንቅስቓስ ስለዘይገበረዩ ዝመስል ብቦውኣዱዝ ተቐይሩ ኣሎ። ነዊሕ ቁመት ዘለዎ ቦውኣዱዝ ካብ ርሑቕ ንዝቕልዓሉ ኮዓሳሱ ምስ መርበብ ኣጋጭዩ ሸቶ ከመዝግብ ዝጽግሞ ኣይመስልን።

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG