22:50
10.7.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ኣብዚ ናይ ሎም ዘበን ግጥም ዋንጫ ዓለም ብዙሕ ክቐንዖ ዘይከኣለ ፈረንሳዊ ኣጥቃዓይ ኦሊቨር ጅሩ ኣብ 85 መበል ደቒቕ ብስተቨን ንዞንዚ ተቐይሩ ኣሎ።
ፈረንሳ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ደቓይቕ ወሳኒ ጸወታኣ ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ልዳታ ኣብ ምክልኻል ትርከብ።
22:43
10.7.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
እዛ ኣብ መበል 51 ደቒቕ ብኩርናዕ ተቐሊዓ ብፈረንሳዊ ሳሙኤል ኡምቲቲ ኣብ ልዕሊ ቤልጅዩም ዝተመዝገበት ሸቶ፡ በልጅም ኣብ ታሪኻ ማለት ድሕሪ 1994; እዚ ድማ ብሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ምዃኑ'ዩ: ዝተመዝገበታ ተመሳሳሊት ሸቶ - እዚኣ ብፈረንሳ ዝተመዝገበታ ንፈለማ ግዜኣ እያ።
22:32
10.7.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
በልጅማዊ ኢደን ሃዛርድ ብጫ ካርድ ወሲዱ ኣሎ። ሃዛርድ ንማቱዲ ብምጉታቱዩ መጠንቀቕታ ክወሃቦ ክኢሉ ኣሎ።
ጸውታ ከም ዝተገመተ ካብ ቀዳማይ እብረ ሙሉእ ብሙሉእ ተቐይሩ ፡ ረስኒ ተሓዊስዎ መጥቃዕትን ፡ መልሰ መጥቃዕትን ብኽልቲአን ጋንታታት ኣሰንይዎ ይርከብ። ቤልጅም እውን ኣይሰነፈትን በዚ ናህሪዚ ማዕረ ትገብር ሸቶ ከይረኸቡ ኣይተርፉን እዮም። ብሓፈሻ ክርኣዩ ከለው ግን ኣብ ካልኣይ እብረ በልጅማውያን በታ ዝተመዝገበቶም ሸቶ ዝተዳህሉ ይመስሉ።