- By ዊንታ ኪዳነ
ድሮ ፈረንሳ ኣብ ምጅማር ካልኣይ እብረ ማለት ኣብ መበል 51 ደቒቕ ብመገዲ ሳሙኤል ኡምቲቲ ሸቶ ኣመዝጊባ ኣላ።
በዚ ድማ ፈረንሳይ ሓደ በልጅም ባዶ ፡ ካልኣይ እብረ ጸወታ ይቕጽል።
- By ዊንታ ኪዳነ
ቀዳማይ እብረ ግጥም ሃገራውያን ጋንታታት በልጅዩምን ፈረንሳን ባዶ ብ ባዶ ተዛዚሙ ኣሎ።
ክልቲኤን ጋንታታት ተፈራሪሐን ዘካይድኦ ግጥም ኮይኑዩ ዝግለጽ ዘሎ። ዋላኳ በልጅም ኩዕሶ ብምሓዛ 58 ብ 42 ሚእታዊትዝኾነ ነጥቢ ኣብ ልዕሊ ፈረንሳ እንተመርሐት ፡ ፈረንሳ ድማ ነተን ዝ ሓዘተን ኮዓሳሱ ብግቡእ ተጠቒማ 11 ብ 3ጸብለልታ ዘለዎ ፈተነታት ኣብ ልዕሊ በልጅም ብምግባር ከምዝመርሓታ ዝተረኽቡ ስታቲስቲካዊ ጸብጻባት የረድኡ።
ካልኣይ እብረ ኣዝዩ ወሳኒ ክኸውን እዩ። ክልቲአን ሃገራውያን ጋንታታት ናይ ቀዳማይ እብረ ጸወታአን ገምጊመንን ተመዓራርየንን ኣድላይ እንተኾይኑ ድማ ቅያር ተጻዋታይ ኣሰሊፈን ዝቐርባሉ ስለዝኾነ ካብቲ ቀዳማይ እብረ ፍሉይን ብሉጽን ጸወታ ክገብራ ትጽቢት ኣሎ። እዚ ናይ ሞትን ሕየትን ዝኾነ ግጥምዚ ክልቲአን ጋንታታት ዋንጫ ዓለም ካብ ቀረባ እናረኣያ ካብ ምጭባጥ ዝቦኽራሉ ኣጋጣሚ ክኸውን ኣይደልዮአን እየን።
- By ዊንታ ኪዳነ
ብራዚል ብ በልጅም ተገሊፋ
ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ምስ በልጅም ኣብ ዝገበረቶ ግጥም ክልተ ብሓደ ተመሪሓ ነቲ ምዱብ ጸወታ ብምምዝዛሙ : ካብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ትፋንያ። በዚ ድማ ሎሚ ዕለት ጥራይ ድሕሪ ኡራጋይ ሻንጥኣ ጠቕሊላ ትግለፍ ዘላ ካልአይቲ ደቡብ ኣመሪካዊት ሃገር ኮይና ኣላ።
ብራዚል ብመገዲ ሬናቶ ኣጉስቶ ኣብ መበል 79 ሓንቲ ሸቶኳ እንተኣመዝገበት ፡ እታ ሸቶ ግን ናብ ዝቕጽል ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ከተሕልፋ ኣይከኣለትን። ኣቐዲማ በልጅም ዳርጋ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ብዙሓት ዝኾነ ብ ብራዚላዊ ፈርናንዲኖን ናብ ገዛእ ልዳቱ ዘመዝገባን ሸቶን በልጅማዊ ዲ ብሩኖ ተራር ቅላዕ ቀሊዑ ብዘመዝገባን ሸቶ እያ ሃገራዊት ጋንታ በልጅም መሪሕነት ሒዛያ ንዕረፍቲ ወጺኣ።
ኣብ ካልኣይ እብረ ጸወታ ኣመና መሳጢ ክኸውን ትጽቢት ተነቢሩሉዩ ነይሩ። ከም ትጽቢት ድማ ቅልጡፍን ሓያሎ ፈተነታት ዝተገብረሉ ጸወታ ነይሩ። ብራዚል ንዝተመዝገባ ክልተ ሸቶታት ኣምሊሳ ክትዕወት ኣሸጋሪ ክኸውን ከምዝኽእል ብኣግኡዩ ተገሚቱ።
ብሓፈሻ ክርአ ከሎ: ብራዚል ንዝተመዝገባ ክልተ ሸቶታት ኣምሊሳ ክትዕወት ኣሸጋሪ ክኸውን ከምዝኽእል ምግማቱ ኣየጸገመን። ይኹንምበር ብተመሳሳሊ በልጅም ክልተ ብባዶ ተመሪሓ ኣብ መወዳእታ ሰለስተ ብ ክልተ ተዓዊታ ናብዚ ዝበጽሓትሉ ግጥም ናይ ቀረባ ዝኽሪ ምስ ጃፓን ብምንባሩ: ብራዚልውን ናይ ኣሰላልፋን ስልትን ምቅይያር የእትያ ክትቀርብን ክትዕወትን ከምእትኽል ግምታት ጸኒሑዩ።
እዚ ክኸውን ብዘይምኽኣሉ: ሎሚ ሃገራዊት ጋንታ በልጅም ኣብ ልዕሊ ዝኽሪ ተጻወቲ ብራዚልን ኣፍቀርቲ ስፖርት ዓለምን ነባሪ ዝኽሪ ኮይኑ ዝተርፍ ዕንወት ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ፈጺማ ንዓዳ ከምትፋኖ ገይራታ ኣላ።
ምስላዊ ጸብ ጻብ ግጥም ፈረንሳን ኡራጋይን
ፈረንሳይ ብመገዲ ቫረንን ግሪዝማንን ብዘመዝገበተን ሸቶታት ክልተ ብ ባዶ ተዓዊታ