ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኺድ ናብ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም 2018

22:16 10.7.2018

ድሮ ፈረንሳ ኣብ ምጅማር ካልኣይ እብረ ማለት ኣብ መበል 51 ደቒቕ ብመገዲ ሳሙኤል ኡምቲቲ ሸቶ ኣመዝጊባ ኣላ።

በዚ ድማ ፈረንሳይ ሓደ በልጅም ባዶ ፡ ካልኣይ እብረ ጸወታ ይቕጽል።

22:11 10.7.2018

ቀዳማይ እብረ ግጥም ሃገራውያን ጋንታታት በልጅዩምን ፈረንሳን ባዶ ብ ባዶ ተዛዚሙ ኣሎ።

ክልቲኤን ጋንታታት ተፈራሪሐን ዘካይድኦ ግጥም ኮይኑዩ ዝግለጽ ዘሎ። ዋላኳ በልጅም ኩዕሶ ብምሓዛ 58 ብ 42 ሚእታዊትዝኾነ ነጥቢ ኣብ ልዕሊ ፈረንሳ እንተመርሐት ፡ ፈረንሳ ድማ ነተን ዝ ሓዘተን ኮዓሳሱ ብግቡእ ተጠቒማ 11 ብ 3ጸብለልታ ዘለዎ ፈተነታት ኣብ ልዕሊ በልጅም ብምግባር ከምዝመርሓታ ዝተረኽቡ ስታቲስቲካዊ ጸብጻባት የረድኡ።

ካልኣይ እብረ ኣዝዩ ወሳኒ ክኸውን እዩ። ክልቲአን ሃገራውያን ጋንታታት ናይ ቀዳማይ እብረ ጸወታአን ገምጊመንን ተመዓራርየንን ኣድላይ እንተኾይኑ ድማ ቅያር ተጻዋታይ ኣሰሊፈን ዝቐርባሉ ስለዝኾነ ካብቲ ቀዳማይ እብረ ፍሉይን ብሉጽን ጸወታ ክገብራ ትጽቢት ኣሎ። እዚ ናይ ሞትን ሕየትን ዝኾነ ግጥምዚ ክልቲአን ጋንታታት ዋንጫ ዓለም ካብ ቀረባ እናረኣያ ካብ ምጭባጥ ዝቦኽራሉ ኣጋጣሚ ክኸውን ኣይደልዮአን እየን።

22:27 6.7.2018

ብራዚል ብ በልጅም ተገሊፋ

ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ምስ በልጅም ኣብ ዝገበረቶ ግጥም ክልተ ብሓደ ተመሪሓ ነቲ ምዱብ ጸወታ ብምምዝዛሙ : ካብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ትፋንያ። በዚ ድማ ሎሚ ዕለት ጥራይ ድሕሪ ኡራጋይ ሻንጥኣ ጠቕሊላ ትግለፍ ዘላ ካልአይቲ ደቡብ ኣመሪካዊት ሃገር ኮይና ኣላ።

ብራዚል ብመገዲ ሬናቶ ኣጉስቶ ኣብ መበል 79 ሓንቲ ሸቶኳ እንተኣመዝገበት ፡ እታ ሸቶ ግን ናብ ዝቕጽል ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ከተሕልፋ ኣይከኣለትን። ኣቐዲማ በልጅም ዳርጋ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ብዙሓት ዝኾነ ብ ብራዚላዊ ፈርናንዲኖን ናብ ገዛእ ልዳቱ ዘመዝገባን ሸቶን በልጅማዊ ዲ ብሩኖ ተራር ቅላዕ ቀሊዑ ብዘመዝገባን ሸቶ እያ ሃገራዊት ጋንታ በልጅም መሪሕነት ሒዛያ ንዕረፍቲ ወጺኣ።

ኣብ ካልኣይ እብረ ጸወታ ኣመና መሳጢ ክኸውን ትጽቢት ተነቢሩሉዩ ነይሩ። ከም ትጽቢት ድማ ቅልጡፍን ሓያሎ ፈተነታት ዝተገብረሉ ጸወታ ነይሩ። ብራዚል ንዝተመዝገባ ክልተ ሸቶታት ኣምሊሳ ክትዕወት ኣሸጋሪ ክኸውን ከምዝኽእል ብኣግኡዩ ተገሚቱ።

ብሓፈሻ ክርአ ከሎ: ብራዚል ንዝተመዝገባ ክልተ ሸቶታት ኣምሊሳ ክትዕወት ኣሸጋሪ ክኸውን ከምዝኽእል ምግማቱ ኣየጸገመን። ይኹንምበር ብተመሳሳሊ በልጅም ክልተ ብባዶ ተመሪሓ ኣብ መወዳእታ ሰለስተ ብ ክልተ ተዓዊታ ናብዚ ዝበጽሓትሉ ግጥም ናይ ቀረባ ዝኽሪ ምስ ጃፓን ብምንባሩ: ብራዚልውን ናይ ኣሰላልፋን ስልትን ምቅይያር የእትያ ክትቀርብን ክትዕወትን ከምእትኽል ግምታት ጸኒሑዩ።

እዚ ክኸውን ብዘይምኽኣሉ: ሎሚ ሃገራዊት ጋንታ በልጅም ኣብ ልዕሊ ዝኽሪ ተጻወቲ ብራዚልን ኣፍቀርቲ ስፖርት ዓለምን ነባሪ ዝኽሪ ኮይኑ ዝተርፍ ዕንወት ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ፈጺማ ንዓዳ ከምትፋኖ ገይራታ ኣላ።

20:25 6.7.2018

ምስላዊ ጸብ ጻብ ግጥም ፈረንሳን ኡራጋይን

ምስላዊ ጸብ ጻብ ግጥም ፈረንሳን ኡራጋይን
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:58 0:00

ፈረንሳይ ብመገዲ ቫረንን ግሪዝማንን ብዘመዝገበተን ሸቶታት ክልተ ብ ባዶ ተዓዊታ

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG