ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኺድ ናብ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም 2018

17:42 5.7.2018

ድሕሪ 56 ግጥማት: ዋንጫ ዓለም ንምጭባጥ ዘቛምታ ሾሞንተ ሃገራት ተሪፈን ኣለዋ። ኣብ መወዳእታ ግጥም ንርብዒ ፍጻመ መን ሓለፈ ዘካየዳ ሃገራውያን ጋንታታት እንግሊዝን ኮሎምብያን ክኾና ከለዋ፤ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ዳርጋ ተሳሒጋ ክበሃል ብዝኽእል ጸወታ ንመጋጥምታ ኮሎምብያ ድሕሪ ናይ 120 ደቓይቕ ሓደ ብሓደ ዝኾነ ውጽኢት: ብዝተዋህበን ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ' ዩ ክፈላለያ ተገይሩ። በዚ ድማ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ 4 ብ 3 ብዝኾነ ሓፈሻዊ ውጽኢት: ሻሙነይቲ ኮይና ቦትኣ ኣብ ግጥም ርብዒ ፍጻመ ከተውሕስ ምኽኣላ ይዝከር።

እዘን ኣብ ዋንጫ ዓለም ካብ 32 ሃገራት ተሪፈን ዘለዋ ሾሞንተ ጋንታታት እምበኣር: ጽባሕ ዓርቢ ብዘካይድኦ ግጥም ርብዒ ፍጻመ ክፍልማ እየን። ብመሰረት ተታሒዙ ዘሎ መደብ ኡራጋይ ምስ ፈረንሳይ ብራዚል ድማ ምስ ቤልጅዩም ክገጥማ እየን።

22:24 3.7.2018

ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ኣብ መበል 53ደቒቕ ዝረኸበታ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ብመገዲ እንግሊዛዊ ኣጥቅዓይ ሃሪ ከን ሸቶ ብምምዝጋባ እንግሊዝ ሓደ ኮሎምብያ ባዶ።

ኮሎምብያዊ ካርሎስ ሳንቸዝ ንእንግሊዛዊ ኣጥቅዓይ ሃሪ ከን ኣብ ውሽጢ መስመር ቅላዕ መቕጻዕቲ ጎቲትካ ተባሂሉ'ዩ እታ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ንእንግሊዛ ተዋሂባ። በዚ ድማ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ሓደ ብ ባዶ ዝኾነ ውጽኢት ትመርሕ ኣላ።

21:59 3.7.2018

ቀዳማይ እብረ ጸወታ እንግሊዝን ኮሎምብያን ብዘይ ዝኾነ ውጽኢት ተወዲኡ'ሎ።

ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ድሕሪ 2006 ንፈለማ ግዜኣ እያ ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ትቐርብ ዘላ። እንግሊዝ ኣብ ዝሓለፈ ግጥማ ብበልጅም ዝተሳዕረት ክትኸውን እንከላ መጋጥምታ ኮሎምብያ ግን ኣብ ልዕሊ ሰነጋል ተዓዊታ'ያ ናብ ግጥም ርብዒ ፍጻመ ዝበጽሐት።
20:37 3.7.2018

ምስላዊ ጸብጻብ ግጥም ሽወደንን ስዊዘርላንድን

ምስላዊ ጸብጻብ ግጥም ሽወደንን ስዊዘርላንድን
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:56 0:00

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG