- By ዊንታ ኪዳነ
ድሕሪ 56 ግጥማት: ዋንጫ ዓለም ንምጭባጥ ዘቛምታ ሾሞንተ ሃገራት ተሪፈን ኣለዋ። ኣብ መወዳእታ ግጥም ንርብዒ ፍጻመ መን ሓለፈ ዘካየዳ ሃገራውያን ጋንታታት እንግሊዝን ኮሎምብያን ክኾና ከለዋ፤ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ዳርጋ ተሳሒጋ ክበሃል ብዝኽእል ጸወታ ንመጋጥምታ ኮሎምብያ ድሕሪ ናይ 120 ደቓይቕ ሓደ ብሓደ ዝኾነ ውጽኢት: ብዝተዋህበን ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ' ዩ ክፈላለያ ተገይሩ። በዚ ድማ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ 4 ብ 3 ብዝኾነ ሓፈሻዊ ውጽኢት: ሻሙነይቲ ኮይና ቦትኣ ኣብ ግጥም ርብዒ ፍጻመ ከተውሕስ ምኽኣላ ይዝከር።
እዘን ኣብ ዋንጫ ዓለም ካብ 32 ሃገራት ተሪፈን ዘለዋ ሾሞንተ ጋንታታት እምበኣር: ጽባሕ ዓርቢ ብዘካይድኦ ግጥም ርብዒ ፍጻመ ክፍልማ እየን። ብመሰረት ተታሒዙ ዘሎ መደብ ኡራጋይ ምስ ፈረንሳይ ብራዚል ድማ ምስ ቤልጅዩም ክገጥማ እየን።
- By ዊንታ ኪዳነ
ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ኣብ መበል 53ደቒቕ ዝረኸበታ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ብመገዲ እንግሊዛዊ ኣጥቅዓይ ሃሪ ከን ሸቶ ብምምዝጋባ እንግሊዝ ሓደ ኮሎምብያ ባዶ።
ኮሎምብያዊ ካርሎስ ሳንቸዝ ንእንግሊዛዊ ኣጥቅዓይ ሃሪ ከን ኣብ ውሽጢ መስመር ቅላዕ መቕጻዕቲ ጎቲትካ ተባሂሉ'ዩ እታ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ንእንግሊዛ ተዋሂባ። በዚ ድማ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ሓደ ብ ባዶ ዝኾነ ውጽኢት ትመርሕ ኣላ።
- By ዊንታ ኪዳነ
ቀዳማይ እብረ ጸወታ እንግሊዝን ኮሎምብያን ብዘይ ዝኾነ ውጽኢት ተወዲኡ'ሎ።
ምስላዊ ጸብጻብ ግጥም ሽወደንን ስዊዘርላንድን