18:59
3.7.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ግጥም ስዊድንን ስዊዘርላንድንን ዓወት ስዊድን 1 ብ 0 ተዛዚሙ። ስዊድን ኣብ መበል 65 ደቂቕ ብዝረኸብዋ ሸቶ ናብ ርብዒ ፍጻመ ሓሊፎም ኣለው።
17:40
3.7.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ግጥም ሽወደንን ስዊዘርላንድን
ሽወደንን ስዊዘርላንድን ካብተን 10 ሃገራት ኤውሮጳ ናብ ግጥም ፍጻመ ዝሓለፋ ሃገራውያን ጋንታታት እየን።
ክልቲአን ሃገራውያን ጋንታታት ዘካይድኦ ዘለዋ ግጥም ኣውዲቕካ ምሕላፍ እምበኣር ወሳኒ ጥራይ ዘይኮነ ሜላ ኣጸዋውትአን እውን ብደቂቕ ስለዝፋለጣ ሓንቲ ነታ ሓንቲ ብቐሊሉ ስዒራ ክትሓልፍ ክብድ ከይበለን ኣይክተርፍን እዩ።
ሽወደን ኣብ ግጥማት መጻረይ ሽዱሽተ ነጥቢ ሒዛ ካብኡ ንሜክሲኮ ሰለስተ ብባዶ ብምስዓር ካብ ምድባ ቀዳመይቲ ኮይና'ያ ናብዚ ናይ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ በጺሓ። ብሓፈሻ ሽወደን ኣብ ታሪኻ እዚ ንራብዓይ ግዜ ጥራይ ትሳተፎ ዘላ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ኣንጻር ስዊዘርላንድ በዳሂ ኮይኑ እዩ ቀሪቡ ዘሎ።
ስዊዘርላንድ ብወገና፤ ኣብ ናይ ምድብ ጸወታኣ ድሕሪ ብራዚል ካልአይቲ ኮይና እያ ሓሊፋ። ኣብ ደረጃ ፊፋ ሻድሻየቲ ኮይና ተሰሪዓ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ስዊዘርላንድ: ካብ ሃገራ ወጻኢ ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ በጺሓ ኣይትፈልጥን።
ቀዳማይ እብረ ጸወታ ክልቲአን ሃገራውያን ጋንታታት ክዛዘም 10 ደቒቕኳ ዛጊት ተሪፍዎ እንተሃለወ ክልቲአን ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ ዘካይድኦ ዘለዋ ግጥም ሸቶ ኣይተመዝገበንን ዘሎ።
23:59
2.7.2018
ምስላዊ ጸብጻብ ግጥም ቤልጁምን ጃፓንን
19:33
2.7.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ጽሟቕ ስታቲስካዊ ኣሃዛት ግጥም ብራዚልን መክሲኮን
--> ብራዚል ዋላኳ ክልተ ብባዶ ትተዓወት ብኩዕሶ ምሓዝ ብመክሲኮ ተበሊጻ እያ። ብራዚል 46% መክሲኮ 54%
--> ብሓፈሻ ብራዚል 21 ግዜ ናብ መክሲኮ ፈተነ ዘካየደት ክትከውን እንከላ: መክሲኮ ግን 13 ግዜ ጥራይ እያ ፈተነ ኣካይዳ።
--> ናብ ጎል ዘቕንዓ 10 ፈተነታት ብራዚል ነይረን። ብወገን መክሲኮ ድማ ሓንቲ ጥራይ ናብ ሸቶ ዘቕንዓ ፈተነ ኣብ ልዕሊ ብራዚል ተኻይዱ።
--> ክልቲአን ጋንታታት ዳርጋ ማዕረ ዕድል ናይ ኮርነር እየን ረኺበን። ብራዚል 8 ኮርነት ክትረክብ እንከላ መክሲኮ ድማ ሸውዓተ ረኺባ።
--> ጎል ናይ ምምዝጋብ ዕድል ዝነበረ ግን ዝደሓና ብወገን ብራዚል ሓንቲ ክትኸውን እንከላ; ብወገን መክሲኮ ግን ሾመንተ እየን ነይረን።