ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኺድ ናብ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም 2018

19:21 2.7.2018
ግጥም ብራዚል ሜክሲኮ ብዓወት ብራዚል ክልተ ብ ባዶ ተዛዚሙ ኣሎ።
ብራዚል ዝተመከሓትሉ ነይማር ነታ ሃገራዊት ጋንታ ዓዲ ውዒል ኣይገበራን። ኣቐዲሞም ከም መሲ ናይ ኣርጀንቲና ሮናልዶ ናይ ፖርቱጋል ሃገራውያን ጋንታታቶም ብዙሕ ትጽቢት ዘንበራሎም ህቡባት ተጻወቲ፡ ንሃገራውያን ጋንታታቶም ኣብኲሮመን እዮም። ነይማር ከ ዝብል ኣሰሮም ክስዕብ ድዩ ዋላ ነታ መቐናቕንታን ኣጸቢቓ ሜላ ጸወታ ከምእትፈልጦ እትግለጽ መክሲኮ ኣይከናሕስየላን እዩ ዝብል ሕቶ ኣብ ነፍስ ወከፍ ኣፍቃሪ ስፖርት ዓለም ቅጅል ኢሉ እዩ ጸኒሑ።
እንሆ ናይ ደቒቕ ጸወታን ተወሳኺ ሽዱሽተ ደቒቕ ተዛዚሙ ዳኛ ምልክት መዛዘሚ ጸወታ ፊስካ ድሕሪ ምንፍሑ ነይማር ዘይከም ሮናልዶንን መሲን ርእሱ ኣቕኒዑዩ ምስ ደገፍቱን ኣፍቀርቲ ስፖርትን ተመሳጊኑን ንሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ድማ ናብ ዝቕጽል ግጥም ርብዒ ፍጻመ የሕሊፉን ካብ ሜዳ ወጺኡ።
ተቐይሩ ዝኣተወ ፊርሚኖ ብወገኑ ዝተዋህቦ ዕዮ ብግቡእ ዝፈጸመ እዩ ዝመስል። ክልተ ደቒቕ ድሕሪ ኣብ ሜዳ ምእታዉ እታ ዛዛሚትን ተስፋ መክሲኮ ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ዘጸልመተት ካልአይቲ ሸቶ ብምምዝጋብ ውሕስነት ዘለዎ ዓወት ንሃገራዊት ጋንትኡ ብራዚል ካልአይቲ ሸቶ ኣስኒቑ።
19:06 2.7.2018
ብራዚላዊ ፊርሚኖ ሒደት ደቓይቕ ንኮቲንሆ ቀይሩ ሜዳ ድሕሪ ምእታው ካብ ነይማር ንዝተቐልዐ ኩዕሶ ኣብ ነብሱ ቀይሱ ንዕኡ ፋልመይቲ ንሃገራዊት ጋንትኡ ድማ ካልአይቲ ሸቶ ኣብ ልዕሊ መክሲኮ ኣመዝጊቡ። በዚ ድማ ተስፋ መክሲኮ ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ዘኽተመ እዩ ዝመስል። ኣብ ዝተረፋ ሒደት ደቓይቕ ክልተ ሸቶ ኣምሊሳ መክሲኮ ክትዕወት ዘለዋ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።
ብራዚል 2 መክሲኮ 0
18:55 2.7.2018

ቀዳመይቲ ሸቶ ብራዚል

18:49 2.7.2018

ተጻወቲ መክሲኮ ብነይማር ድሕሪ ዝተመዝገበቶም ሸቶ ዝተረበሹ ይመስሉ። ኣቐዲሙ ካርሎስ ሳልሰዶ ሓደ ካብቶም ተኸላኸልቲ መክሲኮ ብጫ ናይ መጠንቀቕታ ካርድ ዝተዋህቦ ክኸውን እንከሎ ሕጂ ድማ ሚገል ላዩን ሕማቕ ፋውል ኣብ ልዕሊ ነይማር ሰሪሑ ነቲ ኩነታት ኣብኢስዎ ይርከብ።

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG