ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኺድ ናብ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም 2018

18:49 2.7.2018

ግጥም ብራዚልን መክሲኮን

ብራዚልን ሜክሲኮን ኣብ ዘካይድኦ ዘለዋ ግጥም ኣውዲቕካ ምሕላፍ ህቡብ ብራዚላዊ ኣጥቅዓይ ነይማር ንብራዚል ናብ ዝቕጽል ግጥም ርብዒ ፍጻመ ከተሕልፍ ትኽእል ናይ መሪሕነት ሸቶ ሽዱሽተ ደቒቕ ድሕሪ ካልኣይ እብረ ጸወታ ኣመዝጊቡ።

እዛ ሸቶ እዚኣ ንብራዚላውያን ሩፍታ ትፈጥር’ኳ እንተኾነት ንስልቲ ጸወታ ሜክሲኮ ተዓዚብካ ፊስካ ተነፊሓ ጸወታ ክሳብ ዝዛዘም ውሕስነት ዘለዋ ግን ኣይኮነትን።

ተጻወቲ መክሲኮ ብነይማር ድሕሪ ዝተመዝገበቶም ሸቶ ዝተረበሹ ይመስሉ። ኣቐዲሙ ካርሎስ ሳልሰዶ ሓደ ካብቶም ተኸላኸልቲ መክሲኮ ብጫ ናይ መጠንቀቕታ ካርድ ዝተዋህቦ ክኸውን እንከሎ ሕጂ ድማ ሚገል ላዩን ሕማቕ ፋውል ኣብ ልዕሊ ነይማር ሰሪሑ ነቲ ኩነታት ኣብኢስዎ ይርከብ።

13:33 2.7.2018

ግጥም ሩስያን ስጳኛን

ግጥማት ሰንበት ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ብ ተወሳኺ ሰዓትን ፍጹም ቅላዕን ዝተሰነየ እዩ ነይሩ።
የአንጋዲት ሃገር ሩስያ ምስ ስጳኛ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ሓደ ካብቲ ዝበዝሐ ተዓዛቢ ዝነበሮ ኮይኑ'ዩ ተገሊጹ።

ሩስያውያን ካብ ፈለማ ናይቲ ግጥም ኣትሒዞም ብሓባር ከጥቅዑን ክከላኸሉን እዮም ተራእዮም። ስጳኛውያን ብወገኖም ምልከት ኩዕሶ ብዙሕ ዘረጋግኦም እዮም ዝመስሉ ዝተረጋግአ ጸወታ'ኳ እንተርኣዩ: መስመር ምክልኻል ሩስያ ብቐሊሉ ክኸፍትዎ ኣሸጋሪ'ዩ ኮይኑዎም። ኣቐዲማ ብጌጋ ተጻዋታይ ሩስያ ብሩሑቕ ተዓጺፋ ዝመጸት ኩዕሶ መሪሕነት'ኳ እንተሃበቶም: ቀጺሉ ግን መስመር ምክልኻል ሩስያ ዳርጋ ብ ዓሰርተ ሓደ ተጻወቲ ዝተረገጠ ኮይኑ'ዮም ረኺቦም። በዚ ድማ ስጳኛውያን ከም ትጽቢት ዝተገብረሎም ሸቶ ክደግሙን ክስልሱን ግን ኣይከኣሉን።

ስጳኛዊ ገራርድ ፒከ ብኢዱ ኩዕሶ ድሕሪ ምትንካፉ ሩስያ ብዝረኸበታ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ማዕረ ክትከውን ክኢላ እያ።
ስጳኛዊ ገራርድ ፒከ ብኢዱ ኩዕሶ ድሕሪ ምትንካፉ ሩስያ ብዝረኸበታ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ማዕረ ክትከውን ክኢላ እያ።

በንጻሩ እታ ብሓንሳብ እናጥቀዐት ዳርጋ ኣብ ሙሉእ ምክልኻል ዝነበረት ሃገራዊት ጋንታ ሩስያ ድሕራ ፍጹም ቅላዕ ረኺባ ናብ ሸቶ ክትቅይራ ብምኽኣላ ክልቲአን ማዕረ ብዝኾነ ውጽኢት እየን ቀጺለን። ብዝተዋህበ ተወሳኺ ፍርቂ ሰዓት ክልቲአን ሃገራውያን ጋንታታት ክፍላለያ ብዘይምኽኣለን ናብ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲየን ኣምሪሐን። በዚ ድማ ሩስያ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ ነታ ሓንቲ ካብ ጎባልል ኩዕሶ እግሪ ዓለም ዝኾነትን ሓያሎ ብሉጻት ተጻወቲ ግን ብዕድመ ዝደፍኡ ኣኽቲታ ናብ ሜዳ ዝወረደ ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ ኣርባዕተ ብ ሰለስተ ዝኾነ ሓፈሻዊ ውጽኢት ኣፋንያታ።

ኢጎር ኣኽነፈቭ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ስጳኛ ክትዕወት ዘኽኣላ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ኣብ ዘድሓነሉ
ኢጎር ኣኽነፈቭ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ስጳኛ ክትዕወት ዘኽኣላ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ኣብ ዘድሓነሉ

ኢጎር ኣኽነፈቭ ኣብ ዘድሓነን ፍጹም ቅላዕ እምበኣር ንሩስያ ናብ ግጥማት ርብዒ ፍጻመ ክተቃምት ዘኽኣላ ጥራይ ዘይኮነ ብሉጽ ሓላው ልዳት ምዃኑውን ብግብሪ ከመስክር ኣኽኢልዎዩ።

ተጻወቲ ሩስያ ኣብ ጽምብል ዓወት
ተጻወቲ ሩስያ ኣብ ጽምብል ዓወት

12:47 2.7.2018

ግጥም ኡራጋይ ፖርቱጋል

ግጥም ኡራጋይን ፖርቱጋል፤ ደቡብ ኣመሪካ ኣብ ግጥማት ፍርቂ ፍጻመ ብምግላፍ ኣርጀንቲና ድሕሪ ምስንባዳ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ዝተኻየደ ግጥምዩ ነይሩ። እቲ ግጥም እቲ ኣብ ሞንጎ ሉዊስ ስዋረዝ ናይ ኡራጋይ ኣንጻር ክርስትያኖ ሮናልዶ ናይ ፖርቱጋል ገይሮም ዝሰርዕዎ እውን ውሑዳት ኣይነበሩን።

ክልቲኦም ወሰንትን ቀየስትን ጸወታ ክልቲአን ሃገራውያን ጋንታታት ብምንባሮም እቲ ኣቓልቦ ኣብኦም ክኸውን ርዱእዩ ነይሩ።

ኡራጋይ ኣብ ናይ ምድብ ጸወታኣ ሸቶ ከይተመዝገባ ኣብ ሰለስተ ግጥም ተዓዊታ ትሽዓተ ማለት ሙሉእ ነጥቢ ሒዛ ናብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ዝተሰጋገረት እያ። ብስዋረዝን ኤዲንሰን ካቫኒን ዝቖመ መስመር ምጥቃዕ ኡራጋይ ከም ዝሓየለ ጎድኒ እታ ሃገራዊት ጋንታ ገይሮም ዝቖጽርዎ እውን ኣለው። ይኹንምበር ብሓለቓ እታ ጋንታን ተኸላኻላይ ማድሪድ ድያጎ ጎዲን ዝምራሕ መስመር ምክልኻል ኡራጋይ ብዘይምግናን እቲ ዝሓየለ ጎድኒ እታ ጋንታ ምዃኑዮም ብዙሓት ዝሰማምዑሉ።

ካቫኒ ዘመዝገባ ካልአይቲ ሸቶ ኡራጋይ
ካቫኒ ዘመዝገባ ካልአይቲ ሸቶ ኡራጋይ

ከም ውጽኢቱ ድማ ከይኮነ ኣይተርፍን ዩ ኣብ ዘካየደቶ ናይ ምድብ ግጥማታ ሸቶ ከይተመዝገባ ናብዚ ናይ ርብዒ ፍጻመ ን ሓንቲ ካብተን ሓያላት ሃገራውያን ጋንታታት ኤውሮጳ ዝኾነት ፖርቱጋል 2 ብ 1 ስዒራ ናብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ክትሰጋገር ዝኸኣለት።

ፖርቱጋል ብወገና ሓያል ቁመና ሒዛ ዝቐረበት ሃገራዊት ጋንታኳ እንተኾነት ብቐንዱ እዚ ሓያል ቁመናኣ ኣብ ህላወ ህቡብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለምን ቀንዲ መቐናቕንቲ ሊዮነል መሲ ዝኾነን ክርስትያኖ ሮናልዶን ዝተሞርኮሰ እዩ። ሮናልዶ ኣብዚ ዋንጫ ዓለም እቲ እንኮ ሃት ትሪክ ዝሰርሐ ክኸውን እንከሎ እታ ሃገራዊት ጋንታ ካብ ዘመዝገበተን ሓሙሽተ ሸቶታት እተን ኣርባዕተ ብሮናልዶ ዝተመዝገባ እየን።

ካቫኒ ክልቲአን ሸቶታት ኣመዝጊቡ ንኡራጋይ ናብ ዝቕጽል ግጥም ርብዒ ፍጻመ ዘሕለፋ ክኸውን እንከሎ ፖርቱግል ብወገና እታ ዘመዝገበታ እንኮ ሸቶ ብ ፐፐ ዘመዝገበታ እያ።

12:08 2.7.2018

ዋንጫ ዓለም ካብ ናይ ምድብ ግጥማት ናብ ናይ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ናይ ፍርቂ ፍጻመ ግጥማት ድሕሪ ምስግ ጋሩ ተገርሞ ሰኒቑ ይቕጽል ኣሎ። ኣብዚ ናይ ፍርቂ ፍጻመ ግጥማት ድሮ ካብተን 16 ሃገራት ክሳብ ሕጂ ኣርባዕተ ሃገራት ናብ ርብዒ ፍጻመ ምሕላፈን ዘረጋገጻ ክኾና እንከለዋ; ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ንዋንጫ ዓለም ድሮ ተሰናቢተንኦ ኣለዋ።

ኣብ’ዚ ናይ ቀዳመ-ሰንበት ግጥማት ፍርቂ ፍጻመ; ፈረንሳይ ኡራጋይ ሩስያን ክሮሽያን ድሮ ካብ’ተን ናብ ናይ ርብዒ ፍጻመ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ዓወት ኣመዝጊበን ዝተሰጋገራ ሃገራት ክኾና ከለዋ፤ ኣርጀንቲና ፖርቱጋል ስፐይንን ደንማርክን ድማ ካብ’ተን ሩሐን ጠቕሊለን ካብቲ ግጥም ዝተገለፋ ፈለምቲ ሃገራት ኮይነን ኣለዋ።

ግጥም ፈረንሳን ኣርጀንቲናን

ጉዕዞ ፈርንሳ ናብ ግጥማት ፍርቂ ፍጻመ ካብ ምድባ ሸውዓተ ነጥቢ ሒዛ ብምሕላፍ’ዩ ዝጅምር። ንሃገራት ኣውስትራልያን ፐሩን ብምስዓር ምስ ደንማርክ ድማ ብማዕረ ዝኾነ ነጥቢ ብምፍልላይ። ጉዕዞ ኣርጀንቲና ብወገኑ ደርገፍገፍ ብዝመስል ንናይጀርያ ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ብመዘመዝገበታ ሸቶ ተዓዊታ እያ ናብዚ ናይ ፍርቂ ፍጻመ ግጥማት ክትበጽሕ ክኢላ።

ዋላኳ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ንሊዮነል መሲ; ናይ ዓለምና ህቡብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዝርከባ እንተኾነት; ሓያሎ ተንተንቲ ኩዕሶ እግሪ ዓለም እዛ ናይ ሎም ዘበን ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ብውሑዱ ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ካብ ዝቐረበት ኣርጀንቲና ዝደኸመት ከም ምዃና እዮም ዝጠቕሱ።

Kylian Mbappe
Kylian Mbappe

ከምዚ ይኹንምበር እቲ ሓቂ ላ ኣልቢሰለስተ “ La Albiceleste “ ብዝብል ስም ትፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ትሑት ምንቅስቓስ ኣንጸባሪቓ 4 ብ 3 ዝኾነ ውጽኢት ብ ለስ ብሉስ “Les Bleus“ ተባሂሎም ዝፍለጡ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ክትግለፍ ግን ትጽቢት ብዙሓት ኣይነበረን።

ኣብቲ ግጥም ደሚቑ ዝወዓለ ፈረንሳዊ ካይላን ምባፓየ ክኸውን እንከሎ እተን ዘመዝገበን ክልተ ሸቶታት ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ኣብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክትቕንይን ናብ ግጥማት ርብዒ ፍጻመ ክትሰጋገርን ኣኽኢልዋዩ።

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG