ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኺድ ናብ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም 2018

20:13 28.6.2018

ምስላዊ ጸብጻብ ግጥም ሰኔጋልን ኮሎምብያን

ምስላዊ ጸብጻብ ግጥም ሰኔጋልን ኮሎምብያን
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:59 0:00



ግጥም ሰኔጋልን ኮምሎምብያን ብዘይ ሸቶ ክሳብ 74 ደቒቕ ድሕሪ ምጽንሑ ኮሎምብያ ብያሪ ሚና ብዘመዝገበቶ ሸቶ ጸወታ 1 ብ 0 ተዛዚሙ።

እታ እንኮ ኣብ ዋንጫ ዓለም ተሪፋ ዝነበረት ኣፍሪቃዊት ጋንታ ሰኔጋል ካብ ዋንጫ ዓለም ተአልያ። ኮሎምብያ ድማ ናብ ዝቕጽል ዙር ሓሊፋ’ላ።

17:24 28.6.2018

ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ድሕሪ 1938 ዓ.ም ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ቀዳማይ ዙር ኣውዲቓ ምሕላፍ ዋንጫ ዓለም ካብ ውድድር ተአልያ’ላ።

ጀርመን ትማሊ ምስ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም 2 ብ 0 ድሕሪ ብምስዓራ ተጻወቲ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ብምምራሕ ናብ መሰልጠኒ መደበር እታ ጋንታ ምኻዶም ተፈሊጡ’ሎ።

ደቡብ ኮርያ ዋላ’ኻ ኣብቲ ናይ ትማሊ ግጥም ንጀርመን እንተሰዓራት ናብ ዝቕጽል ዙር ግን ክትሓልፍ ኣይኸአለንት።ጀርመን ካብ ትርከበን ምድብ “F” ሽወደንን ሜክሲኮን ናብ ዝቕጽር ዙር ዋንጫ ዓለም ሓሊፈን ኣለዋ።

19:23 27.6.2018

ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ጀርመንን ደቡብ ኮርያን፡ ደቡብ ኮርያ ንጀርመን 2 ብ 0 ብምስዓራ ጀርመን ካብ ውድድር ዋንጫ ዓለም 2018 ወጺኣ አላ።

ሽወደን ንሜክሲኮ 3 ብ 0 ስዒራታ አላ። ይኹን ደአ እምበር ኽልቲኣን ሜክሲኮን ጀርመንን ናብ ዝቕጽል ዙር ዋንጫ ዓለም 2018 ሓሊፈን አለዋ።

ጀርመን ደቡብ ኮርያ
ጀርመን ደቡብ ኮርያ

ሜክሲኮ ሽወደን
ሜክሲኮ ሽወደን

16:33 27.6.2018

ምስላዊ ጸብጻብ ግጥም ናይጀርያን አርጀንቲናን

ምስላዊ ጸብጻብ ግጥም አርጀንቲናን ናይጀርያን
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:07 0:00

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG