20:13
28.6.2018
ምስላዊ ጸብጻብ ግጥም ሰኔጋልን ኮሎምብያን
ግጥም ሰኔጋልን ኮምሎምብያን ብዘይ ሸቶ ክሳብ 74 ደቒቕ ድሕሪ ምጽንሑ ኮሎምብያ ብያሪ ሚና ብዘመዝገበቶ ሸቶ ጸወታ 1 ብ 0 ተዛዚሙ።
እታ እንኮ ኣብ ዋንጫ ዓለም ተሪፋ ዝነበረት ኣፍሪቃዊት ጋንታ ሰኔጋል ካብ ዋንጫ ዓለም ተአልያ። ኮሎምብያ ድማ ናብ ዝቕጽል ዙር ሓሊፋ’ላ።
17:24
28.6.2018
ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ድሕሪ 1938 ዓ.ም ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ቀዳማይ ዙር ኣውዲቓ ምሕላፍ ዋንጫ ዓለም ካብ ውድድር ተአልያ’ላ።
ጀርመን ትማሊ ምስ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም 2 ብ 0 ድሕሪ ብምስዓራ ተጻወቲ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ብምምራሕ ናብ መሰልጠኒ መደበር እታ ጋንታ ምኻዶም ተፈሊጡ’ሎ።
ደቡብ ኮርያ ዋላ’ኻ ኣብቲ ናይ ትማሊ ግጥም ንጀርመን እንተሰዓራት ናብ ዝቕጽል ዙር ግን ክትሓልፍ ኣይኸአለንት።ጀርመን ካብ ትርከበን ምድብ “F” ሽወደንን ሜክሲኮን ናብ ዝቕጽር ዙር ዋንጫ ዓለም ሓሊፈን ኣለዋ።
19:23
27.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ጀርመንን ደቡብ ኮርያን፡ ደቡብ ኮርያ ንጀርመን 2 ብ 0 ብምስዓራ ጀርመን ካብ ውድድር ዋንጫ ዓለም 2018 ወጺኣ አላ።
ሽወደን ንሜክሲኮ 3 ብ 0 ስዒራታ አላ። ይኹን ደአ እምበር ኽልቲኣን ሜክሲኮን ጀርመንን ናብ ዝቕጽል ዙር ዋንጫ ዓለም 2018 ሓሊፈን አለዋ።
16:33
27.6.2018
ምስላዊ ጸብጻብ ግጥም ናይጀርያን አርጀንቲናን