22:30
15.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ናቾ ኣቐዲሙ ብጌጋኡ ፖርቱጋል ንዘመዝገበታ ሸቶ ክሕንሕን ዝጸንሐ እዩ ዝመስል፤ ድሕሪ ዕረፍቲ ብበርቃዊት ቅላዕ ዘመዝገባ ሸቶ።
እዛ ሸቶ እዚላ ንዕዑ ኣብ ዋንጫ ዓለም ናይ ፈለማ ክትኸውን እንከላ ንሃገራዊት ጋንትኡ ድማ ናብ መሪሕነት ዘቐልቀላ ብልጽቲ ሸቶ ኮይናያ ትግለጽ ዘላ።
22:25
15.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ስጳኛ ካብ ድሕሪት ተበጊሳ ብዘመዝገበተን ክልተ ወሓላሉ ሸቶታት 3 ብ 2ዝኾነ ውጽኢት መሪሕነታት ኣረጋጊጻ ኣላ።
ደቪድ ኮስታ ኣብ መበል 55 ናቾ ድማ ኣብ መበል 59 ደቓይቕ ብዘመዝገብወን ክልተ ሸቶታት መሪሕነት ስጳኛ ኣረጋጊቶም ኣለው ። ኣብ ዝቕጽል ተሪፉ ዘሎ ኣስታት 30 ደቓይቕ እዚ ውጽኢት እንተተዓቂቡ ድማ ስጳኛ ጎብለል Group B ክትከውን ዝለዓለ ተኽእሎ ኣሎ።
22:05
15.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ስጳኛ ምስቲ ብሓድሽ ኣሰልጣኒ ናብዚ ዋንጫ ዓለም ቀሪባቶ ዘላ ብኹለንትንኣ ስጥምቲ ኮይና ኣብዚ ቀዳማይ እብረ ጸወታ እንተተረኣየት'ኳ - ኣብተን ክልተ ግዜ ብጌጋ ሶሊኸን ኣብ እግሪ እቲ ዘይምሕር ሮናልዶ ዝበጽሓ ኮዓሳሱ ሸቶ ኮይነን ክቕየራ ግን ግዜ ኣይወሰደለንን። ስጳኛ 1 ፖርቱጋል 2