21:57
15.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ጌጋ ሓላው ልዳት ደቪድ ገያ ናይ ስጳኛ፥ ነቲ ኣብ ከባቢ ልዳት ኩዕሶ እንተሒዙ ዘይምሕር ክርስትያኖ ሮናልዶ ዳርጋ ሸቶ ከመዝግብ ህያብ ኮይና ኣብ እግሩ ተዋሂባቶ።
በዚ ድማ ቀዳማይ እብረ ጸወታ ብመሪሕነት ፖርቱጋል 2 ብ 1 ክልቲአን ጋንታታት ንዕረፍቲ ወጺአን ኣለዋ።
21:50
15.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ኣብ ምዝዛም ቀዳማይ እብረ ጸወታ ክልቲአን ጋንታታት ብጌጋ ሓልው ልዳት ስጳኛ ኣብ ሮናልዶ ዝበጽሐት ኩዕሶ ካልአይቲ ሸቶ ኮይና ክትምዝገብ ክኢላ። በዚ ድማ ፖርቱጋል 2 ብ 1 ዝኾነ ውጽኢት ቀዳማይ እብረ መሪሓ ንዕረፍቲ ወጺኣ።
21:45
15.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ክርስትያኖ ሮናልዶ ኣብ ዋንጫ ዓለም ንዕኡን ንሃገራዊት ጋንታ ፖርቱጋልን ናይ ፈለማ ሸቶ ብፍጹም ቅላዕ ኣብ ዘመዝገበሉ።