- By ዊንታ ኪዳነ
ስጳኛ ናብ ዋንጫ ዓለም 2018 ትቐርብ ዘላ ናይ ነዊሕ እዋን ኣሰልጣኒኣ ኣባሪራ ብሓድሽ ኣሰልጣኒ ፈርናንዶ ሀይሮ ተኪኣ እያ።
ንቡዙሓት ሓድሽ ኣሰልጣኒ ብፍላይ ኣብ ምቕራብ ዋንጫ ዓለም ኣብ ምውህሓድ ተጻወቲ ኣሉታዊ ጸገም ክፍጥር ይኽእልዩ ብዝብል ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ምቕያር ኣሰልጣንን ብሓፈሻ እታ ሃገራዊት ጋንታን ዕቃበታት ከስምዑ ጸኒሖም እዮም።
ይኹንምበር በዚ ናይ ፈለማ እብረ ውሁድ ምንቅስቓስ ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ ተሻቕል ጋንታ ኮይና ኣይቐረበትን።
- By ዊንታ ኪዳነ
ስጳኛ ኣብ መበል 24 ደቒቕ ነታ ሮናልዶ ብፍጹም ቅላዕ ንዘመዝገባ ሸቶ ማዕረ ትገብር ብመገዲ ዲያጎ ኮስታ ኣቢላ ኣመዝጊባላ። ስጳኛ 1 ፖርቱጋል ድማ 1 ብዝኾነ ውጽኢት ይቕጽል።
- By ዊንታ ኪዳነ
ዋንጫ ዓለም 2018 ካብ ዝጅምር ናይ ፈለማ ናይ ጎባልል ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ሞንጎ ፖርቱጋልን ስጳኛን ቅድሚ 17 ደቒቕ ድሕሪ ምጅማሩ ናይ ፈለማ ሸቶ በቲ ህቡብ ተጸዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለምና ዝኾነ ክርስትያኖ ሮናልዶ ኣብ 4 ደቒቕ ምጅማር እቲ ጸወታ ተመዝጊቡ ኣሎ።
እዚ ጸወታዚ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገመተ ርሱን ኮይኑ ብመሪሕነት ፖርቱጋል 1 ብ 0 ይቕጽል ኣሎ።
- By ዊንታ ኪዳነ
ኢራን ምዱብ ናይ ጸወታ ሰዓት ድሕሪ ምዝዛሙ ኣብ ዝተወሰኸ ሽዱሽተ ደቓይቕ ሸቶ ብምምዝጋባ ተዓዋቲት ናይዚ ግጥም ኮይና ኣላ።
እታ ሸቶ ንሞሮኮኣዊ ካቢ ብዝቐየሮ ብቦውኣዱዝ ባዕሉ ናብ ልዳቱ ብዘመዝገባ እያ ንኢራን መሪሕነት ክትህባ ክኢላ። በዚ ድማ ኢራን 1 ብ 0 ዝኾነ ውጽኢት ኣብ ልዕሊ ሞሮኮ ተዓዊታ ኣላ።