ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኺድ ናብ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም 2018

21:38 15.6.2018

ስጳኛ ናብ ዋንጫ ዓለም 2018 ትቐርብ ዘላ ናይ ነዊሕ እዋን ኣሰልጣኒኣ ኣባሪራ ብሓድሽ ኣሰልጣኒ ፈርናንዶ ሀይሮ ተኪኣ እያ።

ንቡዙሓት ሓድሽ ኣሰልጣኒ ብፍላይ ኣብ ምቕራብ ዋንጫ ዓለም ኣብ ምውህሓድ ተጻወቲ ኣሉታዊ ጸገም ክፍጥር ይኽእልዩ ብዝብል ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ምቕያር ኣሰልጣንን ብሓፈሻ እታ ሃገራዊት ጋንታን ዕቃበታት ከስምዑ ጸኒሖም እዮም።

ይኹንምበር በዚ ናይ ፈለማ እብረ ውሁድ ምንቅስቓስ ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ ተሻቕል ጋንታ ኮይና ኣይቐረበትን።

21:28 15.6.2018

ስጳኛ ኣብ መበል 24 ደቒቕ ነታ ሮናልዶ ብፍጹም ቅላዕ ንዘመዝገባ ሸቶ ማዕረ ትገብር ብመገዲ ዲያጎ ኮስታ ኣቢላ ኣመዝጊባላ። ስጳኛ 1 ፖርቱጋል ድማ 1 ብዝኾነ ውጽኢት ይቕጽል።

21:21 15.6.2018

ዋንጫ ዓለም 2018 ካብ ዝጅምር ናይ ፈለማ ናይ ጎባልል ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ሞንጎ ፖርቱጋልን ስጳኛን ቅድሚ 17 ደቒቕ ድሕሪ ምጅማሩ ናይ ፈለማ ሸቶ በቲ ህቡብ ተጸዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለምና ዝኾነ ክርስትያኖ ሮናልዶ ኣብ 4 ደቒቕ ምጅማር እቲ ጸወታ ተመዝጊቡ ኣሎ።

እዚ ጸወታዚ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገመተ ርሱን ኮይኑ ብመሪሕነት ፖርቱጋል 1 ብ 0 ይቕጽል ኣሎ።

20:08 15.6.2018

ኢራን ምዱብ ናይ ጸወታ ሰዓት ድሕሪ ምዝዛሙ ኣብ ዝተወሰኸ ሽዱሽተ ደቓይቕ ሸቶ ብምምዝጋባ ተዓዋቲት ናይዚ ግጥም ኮይና ኣላ።

እታ ሸቶ ንሞሮኮኣዊ ካቢ ብዝቐየሮ ብቦውኣዱዝ ባዕሉ ናብ ልዳቱ ብዘመዝገባ እያ ንኢራን መሪሕነት ክትህባ ክኢላ። በዚ ድማ ኢራን 1 ብ 0 ዝኾነ ውጽኢት ኣብ ልዕሊ ሞሮኮ ተዓዊታ ኣላ።

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG