19:50
15.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ካልኣይ እብረ ምቁራጽ ጸወታ ዝበዝ ሓሉ ኮይኑዩ ቀሪቡ። እዚ ድማ ንውሁድ ምንቅስቓስ ጸወታ ክዕቅቦ ኣይከኣለን ብፍላይ ክልቲአን ጋንታታት ሙሉእ ነጥቢ ክወስዳ ወሳኒ ኣብ ዝኾነሉ ጸወታ።
19:46
15.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ሞሮኮኣዊ ተጻዋታይ ኣዩብ ኢል ካቢ ኣብዚ ግጥም ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሓፈሻዊ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ብሉጽ ምንቅስቃስ ኣርእዩ ነታ ሃገራዊት ጋንታ ከሰጉማ ሓደ ካብቶም ዓቢ ትጽቢት ተነቢሩሎም ዘሎ እዩ። ይኹንምበር ኣድማዒ ምንቅስቓስ ስለዘይገበረዩ ዝመስል ብቦውኣዱዝ ተቐይሩ ኣሎ። ነዊሕ ቁመት ዘለዎ ቦውኣዱዝ ካብ ርሑቕ ንዝቕልዓሉ ኮዓሳሱ ምስ መርበብ ኣጋጭዩ ሸቶ ከመዝግብ ዝጽግሞ ኣይመስልን።
19:41
15.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ኣብዚ ግጥምዚ ማዕረ ውጽኢት ንኢራን ኮነ ንሞሮኮ ፍጹም ዘየርብሕ እዩ። ምኽን ያቱ ኣብቲ ምድብ ዘለዋ ሃገራውያን ጋንታታት ስጳኛን ፖርቱጋልን ተመራሪሐን ክሓልፋ ዝለዓለ ባብ ዘርሑ ስለዝኾነ ። በዚ ድማዩ ክልቲአን ማለት ሞሮኮን ኢራንን ነጥቢ ከየጥፍኣን ተማቒለን ከይወጻን ብልዑል ጥንቃቐ ክፍተት ከይገደፋ ዝጻወታ ዘለዋ።
19:37
15.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
መህዲ ንመራሕ ጋንታ ኢራን ሾጃይ ብምትካእ ናይ ፈለማ ቅያር ሃገራዊት ኢራን ኮይኑ ናብ ሜዳ ኣትዩሎ።
ምቕያር ሓለቓ ጋንታ ኢራን ምናልባሽ ኢራን ሓድሽ ኣሰላልፋ ክትሰርዕ ዝመረጸቶ ኣገባብ ከይኮነ ኣይተርፍን ዩ።