ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኺድ ናብ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም 2018

19:27 15.6.2018

ሞሮኮኣዊ ተጻዋታይ ኣዩብ ኢል ካቢ ኣብዚ ግጥም ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሓፈሻዊ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ብሉጽ ምንቅስቃስ ኣርእዩ ነታ ሃገራዊት ጋንታ ከሰጉማ ሓደ ካብቶም ዓቢ ትጽቢት ተነቢሩሎም ዘሎ እዩ።

19:20 15.6.2018

ካልኣይ እብረ ጀሚሩ ኣሎ ይኹንምበር ኩለን የዒንቲ መን ንመን ተኪኡዩ ኣብ ሜዳ ኣትዩ ሸቶ ከመዝግብ ዝኽእል ብዝብል ኣድህቦ ካሜራታት ብተደጋጋሚ ናብ ቅያር ተጻወቲ የቋምታ ኣለዋ።

19:02 15.6.2018

ኣብ ዝቕጽል እብረ ጸወታ ክልቲአን ሃገራውያን ጋንታታት ሜላ ኣጸዋውትአን ቀይረን ናብ ሸቶ ዘቁጽር ምንቅስቓስ ክገብራን ከርእያን ርሒብ ዕድል ኣሎ። ብፍላይ ሞሮኮ ምስ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዘለዋ ልምዲ ሱታፌ ነዚ ምስ ኢራን ተካይዶ ዘላ ጸወታ ስዒራ ናብ ዝግበር ግጥማት ስጳኛን ፖርቱጋልን ከተቋምትዩ እቲ ትጽቢት።

18:57 15.6.2018

ኣዝዩ መሳጢ ቀዳማይ እብረ ግጥም ሞሮኮን ኢራንን ተዛዚሙ ኣሎ። ክልቲአን ጋንታታ ንዕረፍቲ ወጺአን ኣለዋ። ብርግጽ ሞሮኮ ከም ኣጀማምራኣ ነዚ ቀዳማይ እብረ ሸቶ ብምምዝጋብን ብምምራሕን ክትመርሖ እያ ትመስል ነይራ።ይኹንምበር ተጻወቲ ኢራን ነቲ ካብ ሞሮኮ ዝወርድ ዝነበረ መጥቃዕቲ ዘፍ ኣቢሎም ዳርጋ ንሶም እናደፍኡን ሓደገኛ ፈተነታት ኣብ ልዕሊ ሞሮኮ ብምክያድ እዮም ጸኒሖም። ማዕጾ ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ብኢራናውያን ብተደጋጋሚ ክኹሕዃሕ ኢና ርኢና ኣብዚ ቀዳማይ እብረ ጸወታ።ብርግጽ ንሞሮኮ ብጣዕሚ ዘሕዝን ቀዳማይ እብረ ኮይኑዩ ክግለጽ ዝኽእል።

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG