18:51
15.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ቀዳማይ እብረ ጸወታ ኣብ ዝዛዘመሉ ዘሎ ሚዛን ሓይሊ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ኮይኑሎ። ቅድሚ ሒደት ደቃይቕ እትውቲ ዝተባህለት ሸቶ ንስክላ ካብ ምምዝጋብ ድሒና ኣላ። ተኸላኸልቲ ሞሮኮ ስራሕ ዝጸዓቖም ይመስሉ ንካብ ኣጥቃዕቲ ኢራን ንዝፍነወሎም ዘሎ ሓደገኛ ኮዓሳሱ ክመልሱ።
18:33
15.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ዋላኳ ኣብ ምፍላም እዚ ጸወታ ኣትሒዛ ዓብላሊ ምንቅስቓስ እንተርኣየት ዛጊት ውጽኢት ባዶ ብ ባዶ እዩ ዘሎ።
18:30
15.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
Group B ዋላኳ ናይ ሞት ምድብ ተባሂሉ ዝፍለጥ ምድብ ኣይኹን እምበር፣ ህቡባት ኤውሮጳውያን ጋንታታት ስጳኛን ፖርቱጋልን ኣብቲ ምድብ ስለዝርከባ ፤ኢራንን ሞሮኮን ኣብ ዘካይድኦ ዘለዋ ግጥም ነጥቢ ክወስዳ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ።
18:22
15.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ካልኣይ ግጥም ዋንጫ ዓለም ሃገራውያን ጋንታታት ኢራንን ሞሮኮን ጀሚረን ኣለዋ።
ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ካልአይኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር'ያ ኣብዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ግጥም ዋንጫ ዓለም ትሳተፍ ዘላ።
ኣቐዲማ ሃገራዊት ጋንታ ግብጺ ናይ ፈለማ ርክባ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኡራጋይ 1 ብ 0 ዝኾነ ውጽኢትያ ተሳዒራ።
ሞሮኮ ኸ ዝብል ሕቶ ኣብ መብዝሕትኦም ኣፍሪቃውያን ኣፍሪቃውያን ኣፍቀርቲ ስፖርት ቅጅል ኢሉ ዘሎ ሕቶዩ።
ብዝኾነ ብሩኽ ምጅማር.. ውጽኢቱ ድሕሪ 60 ደቒቕ ዝፍለጥ እዩ።