ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኺድ ናብ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም 2018

18:51 15.6.2018

ቀዳማይ እብረ ጸወታ ኣብ ዝዛዘመሉ ዘሎ ሚዛን ሓይሊ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ኮይኑሎ። ቅድሚ ሒደት ደቃይቕ እትውቲ ዝተባህለት ሸቶ ንስክላ ካብ ምምዝጋብ ድሒና ኣላ። ተኸላኸልቲ ሞሮኮ ስራሕ ዝጸዓቖም ይመስሉ ንካብ ኣጥቃዕቲ ኢራን ንዝፍነወሎም ዘሎ ሓደገኛ ኮዓሳሱ ክመልሱ።

18:33 15.6.2018

ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ዋላኳ ኣብ ምፍላም እዚ ጸወታ ኣትሒዛ ዓብላሊ ምንቅስቓስ እንተርኣየት ዛጊት ውጽኢት ባዶ ብ ባዶ እዩ ዘሎ።

18:30 15.6.2018

Group B ዋላኳ ናይ ሞት ምድብ ተባሂሉ ዝፍለጥ ምድብ ኣይኹን እምበር፣ ህቡባት ኤውሮጳውያን ጋንታታት ስጳኛን ፖርቱጋልን ኣብቲ ምድብ ስለዝርከባ ፤ኢራንን ሞሮኮን ኣብ ዘካይድኦ ዘለዋ ግጥም ነጥቢ ክወስዳ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ።

18:22 15.6.2018

ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ካልኣይ ግጥም ዋንጫ ዓለም ሃገራውያን ጋንታታት ኢራንን ሞሮኮን ጀሚረን ኣለዋ።

ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ካልአይኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር'ያ ኣብዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ግጥም ዋንጫ ዓለም ትሳተፍ ዘላ።

ኣቐዲማ ሃገራዊት ጋንታ ግብጺ ናይ ፈለማ ርክባ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኡራጋይ 1 ብ 0 ዝኾነ ውጽኢትያ ተሳዒራ።

ሞሮኮ ኸ ዝብል ሕቶ ኣብ መብዝሕትኦም ኣፍሪቃውያን ኣፍሪቃውያን ኣፍቀርቲ ስፖርት ቅጅል ኢሉ ዘሎ ሕቶዩ።

ብዝኾነ ብሩኽ ምጅማር.. ውጽኢቱ ድሕሪ 60 ደቒቕ ዝፍለጥ እዩ።

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG