17:32
15.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ዋንጫ ዓለም ናብ ግጥም ዝቐረባ ኡራጋይን ግብጺን እየን።
ኡራጋይ ብተኸላኻሊ ጊሚነዝ ኣብ መበል 89 ደቂቕ ብዘመዝገበታ ሸቶ ኡራጋይ 1: ግብጺ 0 ጸወታ ተዛዚሙ'ሎ።
20:02
14.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ሩስያውያን ኣጥቃዕቲ ደኒስ ቸርየቭን ኣለክሳንደር ጎሎቪንን ኣብ ተወሳኺ ግዜ ናይ ሙሉእ ጸወታ ክልተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ሃገራዊት ጋንታ ሩስያ 5 ብ 0 ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ ስዑዲ ዓረብ ክትዕወት ኣኽኢሎማ።
ስዑድ ዓረብ ነጥቢ ጥራይ ዘይኮነት ዝኸሰረት ሓሙሽተ ዕዳ ጎልውን ተሰኪማ'ያ ናይ ፈለማ መኽፈቲ ጸወታኣ ኣብ ግጥም ዋንጫ ዓለም ዛዚማ።
19:54
14.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ብዛዕባ ኣብ መኽፈቲ ግጥም ዋንጫ ዓለም ዝምዘገባ ሸቶታት ኣብ እነልዕለሉ
እታ ኣብ ታሪኽ መኽፈቲ ግጥም ዋንጫ ዓለም ዝቐልጠፈት ኮይና ዝተመዝገበት ሸቶ ብብራዚላዊ ቀሳር ሳምፓዮ ዝመዝገበት እያ።
ቀሳር ሳምፓዮ ኣብ ኣብ መኽፈቲ ግጥም ዋንጫ ዓለም 1998 - ብራዚል ምስ ስኮትላንድ ትገጥመሉ ኣብ ዝነበረት ግዜ: ኩዕሶ ድሕሪ ምጅማሩ ኣብ መበል ሓሙሽተ ደቒቕ ሸቶ ብምምዝጋብ ታሪኽ ክሰርሕ ክኢሉ።
ዝቐልጠፈ ኣብ መኽፈቲ ግጥም ዋንጫ ዓለም ዝተመዝገበ ሸቶ ናይ ዝብል ክብረ ወሰን ብራዚላዊ ቀሳር ሳምፓዮ ክሳብ ሕጂ ኣይተሰብረን።