19:44
14.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ሃገራዊት ጋንታ ሩስያ ብመገዲ ኣርተም ድዙባይ ኣቢላ ኣብ መበል 71 ደቒቕ ሳልሰይቲ ሸቶ ዘመዝገበት ክትከውን እንከላ: ኣብ ቀዳማይ እግሪ ጸወታኣ ሙሉእ ነጥቢ ሒዛ ናብ ዝቕጽል ዝሓለፈት ናይ ፈለማ ተሳታፊት ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለምውን ዳርጋ ኮይና ኣላ።
ስዑድ ዓረብ ነዚ ዝተመዝገባ ሰለስተ ሸቶታት ኣምሊሳ ክትመዓራረን ነጥቢ ክትማቐልን ወይድማ ክትስዕር ዘሎ ዕድል ኣብ ነፍስ ወከፍ ዝተረፈ ደቒቕ እናጸልመተዩ ዝኸይድ ዘሎ።
19:29
14.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ኣብዚኣሞ!
ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ድምጺ ኣመሪካ ቋንቋ ትግርኛ ፡ ኣብ መኽፈቲ ግጥም ዋንጫ ዓለም ፈለማ ሸቶ ተመዝግብ ሃገራዊት ጋንታ መን ምዃና ክትሕብሩ ዝተፈላለዩ መልሲ ዘለዎ ሕቶ ኣቕሪብና ነይርና።
ናይ ቀዳማይ እብረ ግጥም ሃገራውያን ጋንታታት ሩስያን ስዑድዓረብን ከምዝሓበሮ እታ ፈለማ ሸቶ ዘመዝገበት ኣዳላዊት ሃገር ሩስያ ኮይና ኣላ። መብዛሕትኹም ነታ ቅንዕቲ መልሲ ኣይረኸብኩማን
19:21
14.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ሩስያዊ ደኒስ ደኒስ ቸርየቭ ንተኸላኸላኸልቲ ስዑድ ዓረብ ጠሓሒሱ ንዕኡ ፋልመይቲ ንሃገራዊት ጋንታ ሩስያ ድማ ካልአይቲ ሸቶ ኣብ ዘመዝገበሉ ዝተወስደት ስእሊ።