ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኺድ ናብ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም 2018

19:19 14.6.2018
ሩስያዊ ደኒስ ደኒስ ቸርየቭ
ሩስያዊ ደኒስ ደኒስ ቸርየቭ

ሩስያዊ ደኒስ ደኒስ ቸርየቭ ንተኸላኸላኸልቲ ስዑድ ዓረብ ጠሓሒሱ ንዕኡ ፋልመይቲ ንሃገራዊት ጋንታ ሩስያ ድማ ካልአይቲ ሸቶ ኣብ ዘመዝገበሉ ዝተወስደት ስእሊ።

19:16 14.6.2018

ሃገራዊት ጋንታ ሩስያ ድሕሪ 1970 ንፈለማ ግዜያ ኣብ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ዋንጫ ዓለም ትቐርብ ዘላ።

ኣብ 1970 ሃገራዊት ጋንታ ሩስያ ከም ሕብረት ሶቭየት ትፍለጥ ዝነበረትሉ ግዜ ክኸውን እንከሎ: ኣብ መኽፈቲ ግጥም ምስ ሃገራዊት ጋንታ መክሲኮ ተጋጢማ። ክልቲአን ሃገራውያን ጋንታታት ድማ ባዶ ብ ባዶ ከምዝተፈላለያ ሰነዳት ዋንጫ ዓለም ፊፋ ይጠቅስ።

19:09 14.6.2018

ሃገራውያን ጋንታታት ሩስያን ስዑድ ዓረብን ድሕሪ ኣብ 1993 ኣብ ኮባር ስዑድ ዓረብ ተራኺበን ዘካየደኦ ምሕዝነታዊ ግጥም እዚ ሎሚ ኣብ መኽፈቲ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ዘካይድኦ ዘለዋ ግጥም ናይ ፈለማ እዩ።

ኣብ 1993 ሃገራዊት ጋንታ ስዑድ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ ሩስያ 1 ብ 0 ዝኾነ ውጽኢት ተዓዊታ ምፍልላያ ይዝከር።

18:54 14.6.2018

ሃገራዊት ጋንታ ሩስያ ብመገዲ ደኒስ ቸርየቭ ኣቢላ ኣብ መበል 43 ደቒቕ ካልአይቲ ሸቶ ኣብ ልዕሊ ስዑድ ዓረብ ድሕሪ ምምዝጋብ ቀዳማይ እብረ ጸወታ ተወዲኡ ። ክልቲአን ጋንታታት ድማ ንናይ 15 ደቒቕ ዕረፍቲ ወጺአን ኣለዋ።

ውጽኢት ቀዳማይ እብረ ጸወታ: ሩስያ 2 - ስዑድ ዓረብ 0

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG