ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ንግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ናውቲ ንጽህና ምልጋሱ ሓቢሩ


ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ደሴን ወልዲያን ፆታዊ መጥቓዕቲ ንንዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈላለዩ ናይ ንጽህና ናውቲ ለጊሱ
ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ደሴን ወልዲያን ፆታዊ መጥቓዕቲ ንንዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈላለዩ ናይ ንጽህና ናውቲ ለጊሱ

ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ደሴን ወልዲያን ፆታዊ መጥቓዕቲ ንንዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈላለዩ ናይ ንጽህና ናውቲ ምሃቡ ኣፍሊጡ።እቲ ኮሚቴ ወሲኹ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን'ውን ናይ ሕክምና ናውቲ፣ጥረ ገንዘብን ካልኦት ሓገዛትን ምሃቡ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ናብ ክልል ትግራይ ዝግበር በረራታት ቀረብ መድሓኒትን ናይ ሕክምና ናውትን 15 ምብፅሑ ወኪል ልኡኽ ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ኣብ ኢትዮጵያ ፋቲማ ሳቶር ገሊጸን።

ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ መግለፂ ዝሃቡ ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ እቲ ቀረብ መድሓኒት ምስቲ ዘሎ ሕፅረት ቀረባትን ሓጓፍን እኹል ከምዘይኮነ ገሊፆም ነይሮም።

XS
SM
MD
LG