ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ንኻልኣይ ግዜ ቀረባት ሕክምና ብነፋሪት ናብ ክልል ትግራይ ከምዘእተወ ኣፍሊጡ


ፈላማይ ብኮሚተ ቀይሕ መስቀል መቐለ ዝኣተወ ቀረብ መድሃኒት
ፈላማይ ብኮሚተ ቀይሕ መስቀል መቐለ ዝኣተወ ቀረብ መድሃኒት

ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ንኻልኣይ ግዜ ቀረባት ሕክምና ብነፋሪት ናብ ክልል ትግራይ ከምዘእተወ ኣፍሊጡ።

ካብ ወርሒ መስከረም ንድሓር ተቛሪጹ ዝጸንሐ በረራ ቀረባት ሕክምና፡ ረቡዕን ሓሙስን መቐለ ከምዝእተወ ኣብ ኢትዮጵያ ወሃቢት ቃል ቀይሕ መስቀል ፋጢማ ሳካር ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢራ። እቲ ምቁራጽ ብሰንኪ ሕጽረት ጸጥታን ዋሕድን ምንባሩ`ውን ጠቒሳ`ላ።

ትማሊ ሓሙስ`ውን ነቲ ጽዕነት ዝሓዘት ካልአይቲ ነፋሪት መቐለ ምእታዋ ዝገለጸት ወሃቢት ቃል ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን`ውን ድጋፍ ይገብር ምህላዉ ኣፍሊጣ`ላ።

XS
SM
MD
LG