ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ኣብ ውሽጢ ሰሙን ሸውዓተ ሓገዝ ዝጸዓና በረራታት ናብ መቐለ ምክያዱ ሓቢሩ


ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ሓገዝ ቀረብ መድሃኒትን ናብ መቐለ ኣብ ዘብጽሓሉ
ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ሓገዝ ቀረብ መድሃኒትን ናብ መቐለ ኣብ ዘብጽሓሉ

ዓለም-ለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ምስ ፈደራል መንግስቲ ብምትሕብባር ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ብድምር ሸውዓተ በረራታት ናብ መቐለ ትግራይ ብምግባር ቀረባት ሕክምናን መድሃኒትን ከቕርብ ምኽኣሉ ኣፍሊጡ።

ወሃቢት ቃል ቀይሕ መስቀል ኣብ ኢትዮጵያ ፋጢማ ሳኮር ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃበቶ ቃለ-መጠይቕ፡ እቲ ምብጻሕ ረድኤት ከምዝቕጽልን ናይ መሬት መጓዓዝያ ንምጥቃም ድማ ኣብቲ ግጭት ምስ ዘለዉ ክልቲኦም ወገናት ይዘራረቡ ምህላዎምን ሓቢራ።

ሎሚ ረቡዕ ጥራሕ ክልተ በረራታት ናብ መቐለ ከምዝተገበረ ዝግልጽ ቀይሕ መስቀል፡ እቲ በረራታት ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ`ሎ።

ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀልን ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያን ዝገብርዎ ዘለዉ ድጋፍ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪጹ ብዝጸንሐ ቀረባት ሕክምናን መድሓኒትን ንዝተፈጥረ ክፍተት ከጽብቦ ከምዝኽእል እታ ወሃቢት ቃል ጠቒሳ`ላ።

ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን`ውን ከምኡ ድጋፍ ይገብር ምህላዉ ኣፍሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG