ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣህጉራዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ህይወት ኣድሕን ቀረባት መድሓኒት ብነፋሪት መቐለ ትግራይ ኣእትዩ


ኣህጉራዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ህይወት ኣድሕን ቀረባት መድሓኒት ብነፋሪት መቐለ ትግራይ ኣእትዩ። እዚ ድሕሪ ወርሒ መስከረም ንመጀመርያ ምዃኑ ተገሊጹ`ሎ። እቲ ህጹጽ ቀረባት መቐለ ክኣቱ ዝኸኣለ ብምትሕብባር ሰበ-ስልጣን ምዃኑ ዝገለጸ ኣህጉራዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል፡ ናብ ትካላት ጥዕና ከምዝከፋፈል'ውን ኣፍሊጡ`ሎ።

ኣተሓባባሪ ጥዕና ኣህጉራዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣፖሎ ባራሳ ብዛዕብኡ ክገልጽ ከሎ፡ "እዚ ጽዕነት`ዚ ኣብተን ሆስፒታላት ምብጽሑ ዓቢይ እፎይታ`ዩ፡ እዚ ሓገዝ`ዚ ንኣሸሓት ሰባት ናይ ህይወት ጉዳይ`ዩ፣ ስለዚ እዚ መድሃኒታት ምብጽሑ ኣዝዩ ኣገዳሲ`ዩ ኔሩ" ኢሉ።

ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ወይ ሰሙናት ድማ ካልእ ናይ ረድኤት በረራታት ከወሃህድ ኣህጉራዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ምምዳቡ ወሲኹ ይሕብር።

ብተመሳሳሊ ኩነታት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ቀረባት ሕክምና ምብጽሑ ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG