ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንትግባረ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኢትዮጵያ ዝምልከት ዘተ ኣብ ኬንያ ይካየድ ኣሎ


ኣብ መንጎ ተወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝካየድ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ኬንያ ቀጺሉ`ሎ። እቲ ኣብ ኬንያ ዝካየድ ዘሎ ዘተ-ሰላም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኦም ወገናት ዘሳተፈ`ዩ። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብወገን ህወሓት ድማ ጀነራል ታደሰ ወረደ ይሳተፉ`ለዉ። እቲ ዘተ ክሳብ ረቡዕ ከምዝቕጽል`ውን ምስቲ ዘተ ቅርበት ዘለዎ በዓልስልጣን ምሕባሩ ኣሶሴይትድ ፕረስ ጸብጺቡ'ሎ።

ኣጀንዳ`ቲ ዘተ፡ ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦታት ምክትታል፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ፡ ከምኡ ድማ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይን ዘጠቓልል ምዃኑ ኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ`ሎ። ዋና ተላዛባይ መንግስቲ ሬድዋን ሑሴን፡ “ምናልባት ኣብዚ ሰሙን`ዚ ወይ ዝመጽእ ሰሙን ረድኤት ዝጸዓና መካይን ክልል ትግራይ ክኣትዋ ይፍቀደለን ይኸውን`ዩ” ኢሉ።ብመሰረት ጸብጻብ ኣሶሸይትድ ፕረስ ዋና ተላዛባይ ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ምእታው ረድኤት ኣብቲ ልዝብ ምትእምማን ንክውስኽ ክሕግዝ`ዩ ኢሉ።

ድሕሪኡ ብትዊተር ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ድማ ኩሉ እንወስዶ ስጉምቲ ይኹን እንፍርሞ ስምምዕ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ካብ ምርግጋጽ ዝብገስ`ዩ ኢሉ። “ህዝብና ልዕሊ ኹሉ ዝደልዮ ነገር ሰላም`ዩ" ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ "ድልየት ህዝብና ኣብ ዘዕግብ ቃልና ኣኽቢርና`ዶ ዝብል ግዜ ዝምልሶ`ዩ ዝኸውን" ኢሉ። ኣስዒቡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ "ናብ ውግእ ዝኣተና ውግእ ደስ ኢሉና ዘይኮነ ህዝብና ኣብ ምንባር ሕቶ ኣብ ሓደጋ ስለዝወደቐ'ዩ፡ ሕጂ ግን ስምምዕ ሰላም ድሕነትና ዘረጋግጽ እንተኾይኑ ዘይንፍትኖ" ክብል ጽሒፉ`ሎ።

ካብ መንጎ ኣላዘብቲ ሓደ ዘሎ ፕረዚደንት ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ድማ፡ ዝቕጽል ዘተና ኣብ ክልል ትግራይ ክኸውን ተስፋ ንገብር፡ ድሕሪኡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብሓባር ክጽንብሉ`ዮም ኢሉ።

XS
SM
MD
LG