ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ሞያሌ አባላት ሓይልታት ምክልካል 7 ሰባት ቐቲሎም ክብሉ ይኸሱ


ሞያሌ
ሞያሌ

ኣብ ሞያሌ ብሰራዊት ምክልካል ሸውዓት ሰባት ተቐቲሎም ክብሉ ነበርቲ’ታ ከተማ ሓቢሮም።

ምምሕዳር ዞባ ቦረና ብወገኑ መበገሲ’ቲ ቅትለት ንምጽራይ አባላት ሓይልታት መከላከሊ ይሓትት ከምዘሎ ገሊጹ’ሎ።

እቲ ቅትለት ንምንታይ ከምዝተፈጸመ ዛጊት ዝተፈልጠ ነገር ከምዘየለ ፡ እንተኾነ ሎሚ ዕጡቓት አባላት ሓይልታት ምክልካል ኣብታ ከተማ ንከይንቀሳቀሱ ምእጋዱ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣብ ከባቢ ሞያሌ ዘሎ ጎንጺ ፈደራል ሓይልታት ምክልካል ብምእታው እቲ ኩነታት ይረጋጋእ ከምዘሎን’ቲ ጎንጺ ደው ከምዝበለ በዓል ስልጣን ጸጥታ ክልል ሶማሌን ነበርቲ’ቲ ከባቢን ይገልጹ ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ነበርቲ ሞያሌ አባላት ሓይልታት ምክልካል 7 ሰባት ቐቲሎም ክብሉ ይኸሱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:25 0:00

XS
SM
MD
LG