ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ዝረአ ግጭት ንምፍታሕ ዝዓለመ ዘተ ተኻይዱ


ኣብ ዙሪያ ግጭት ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ጠሚቱ ላዕለዎት ሰበስልጣን ተሳገርቲ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ዝተሳተፍሉ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ክካየድ ዝቐነየ ኣኼባ ተዛዚሙ።

በይነ መንግስታዊ ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ /ኢጋድ/ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝለኣኾ መግለፂ ላዕለዋይ ሰበስልጣን ክልቲኦም መንግስታት ዘካየድዎ ምኽክር ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ሶማሊያን ከተማ ሞያሌ፣ኣብ ክልል ዶቡብ ኦሞ፣ዳስነችን ኛጋቶ ቱርካና ኮሪደራት ነባሪ ሰላም ንምስፋን፣ምርግጋፅ ድሕነትን ናይ ቀጠና ቁጠባዊ ምዕባለን ዝምልከት ከምዝነበረ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣብ ከባቢ ዶብ ዝነብሩ ማሕበረሰባት መብዛሕቲኦም እንስሳት ብምርባሕ ዝናበሩ ብምዃኖም ብሰንኪ መግሃጫን ማይን ግጭት ከምዝፈጥሩ እቲ ዜና ይሕብር።

ብቲ ከባቢ ዝካየድ ዘይሕጋዊ ዝውውር ኣፅዋርን ኮንትሮባንድ ንግድን እቲ ህዝቢ ብሰላም ከይነብር ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ ንምጥፋእ ህይወት ሰባትን ከቢድ ጉድኣትን ምኽንያት ኮይኑ እዩ ፀኒሑ።

ብመሰረት ዝወፀ ትልሚ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ግጭት ደው ንምባል፣ካብ ቤት ንብረቶም ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ረድኤትን ሓገዝን ብምሃብ ናብ መነባብኦም ምምላስ ዝብል ስምምዕ እውን ዝሓዘ እዩ ይብል ።

XS
SM
MD
LG